ዋሽንግተን —
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መደበር ፖሊስ ልደታ ፥ ኣብ ዝርከብ ግዚያዊ መጽንሒ ተጠርጠርቲ፥ 66 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተረኽቦም ይግለጽ ኣሎ ።
ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግን ብዝካየድ ዘሎ ልዑል ጥንቃቐ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦ እሱር ከምዘየለ ጠቕላሊ ዓቃቢት ሕጊ ኣዳነች ኣበበ ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣፍሊጣ`ላ።
ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም ዝብል ወረ ሓሶት ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።
ኣብ ኩሉ ኣብያት ማእሰርቲ ንዝርከቡ እሱራት ንምሕላው ልዑል ጥንቃቐ ከም ዝግበር ዝሓበረት ጠቕላሊት ዓቃቢ ሕጊ ብወገና፥ ኣብ ኩሉ መደበራት ፖሊስ`ውን ተመሳሳሊ ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲባ'ላ።
ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ እሱራት ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ዝብል ወረ ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ ኔሩ'ዩ።