ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ንመሳለጥያ መሰረተ ልምዓት ዝውዕል 2 ትሪልየን ዶላር በጀት ዘድልዮ ኣጀንደኦም ክዝትዩ ኣብዚ ሰሙን ናብ ዋሽንግተን ተመሊሶም ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን ንኣባላት ክልቲኦም ፓርትታት ረኺቦም ንመሰረተ ልምዓት ዝጠመተ ኣጀንደኦም ከዘራርብዎም እዮም ።እቲ ንምምሕያሻት ኣገልግሎታት መሰረተ ልምዓት ተባሂሉ 2 ትሪልየን ዶላር ዘድልዮ ትልሞም ንምምሕያሽ መገድታትን ቢንቶታትን ፣ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ካልኦትን ዝውዕል እዩ ።
ባይደን ቅድም ክብል ኣብ መፈለምታ ወርሒ እዚ ዓመት ንመማሓየሺ ቁጠባ ዝውዕል 1.9 ትሪልየን ዶላር ኣብ ዘፅደቁሉ እዋን ገጢሙዎም ዝነበረ ተመሳሳሊ ዕፃ ዝገጥሞም ይመስል ።ብዛዕባ ኣጀንዳ እቲ መሰረተ ልምዓት ዘቅረብዎ መርትዖ እንታይ እዩ ? ከመይ'ከ እዮም ንሪፐብሊካን ከእምንዎም ? ወይስ ብዲሞክራት ሓገዝ ጥራሕ ምስ ምውፃእ ሕጊ ኣጣሚሮም 'ዮም ንቅድሚት ክስጉሙ ? ወይ'ውን ሰኔት ሪፐብሊካንን ዲሞክራትን ንኽልተ ተኸፊሉ 50 ብ 50 እንተመፂኡ ምኽትል ፕረዚደንት ካምላ ሃሪስ ብድምፀን ነቲ ማዕረ ውፅኢት ከፍርሰኦ ይኾና ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ቅድሚኦም ኣሎ።
ባይደን ክሳብ ሕጂ ሓገዝ ክልቲኦም ከምዘድልቶም እዮም ዝዛረቡ ።
ዋና ፀሓፊት ሓይሊ ጸዓት ኣሜሪካ ጀንፈር ግራንሆልም "እቶም ፕረዚደንት ብዛዕባ ኣጀንደኦም ክዘራረቡ ይደልዩ ኣለዉ ብምኳኑ እንተወሓደ ኣብ ሓደ ጥቅሉል ኣጀንዳ ወይውን ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ንሪፐብሊካውያን ከዘራርብዎም እዮም"ክብላ ንABC ሓቢረን::
መራሕቲ ሪፐብሊካን ብወገኖም በዚሑ ክብሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣጀንዳ ዘለዎም ተቃውሞ ይገልፁ ኣለዉ ።ከምኡ'ውን ባይደን ከመይ እዩ ክኽፈል ትልሚ ዘለዎም ? ዝብል ካልእ መቃወሚ ሓሳቦም እዩ ። ናብ 21% ብፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ወሪዱ ዝነበረ ትካላዊ መጠን ግብሪ ናብ 28 % ብምዕባይ ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተቀነሰ ግብሪ ዝቅይር እዩ ይብሉ ።ወሲኾም እዚ ናይ ሎሚ ዘተ ካብቲ ኣብ ምድሓን ቁጠባ ዝነበረ ዘተ ዝሐሸ ክከውን ተስፋ ንገብር ክብሉ ካብ ሚሲሲፒ ኣባል ሪፐብሊካን ሴናተር ሮጀር ዊከር ንABC ተዛሪቦም ።