ዋሽንግተን —
ንዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ዝውክል ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ንምምራፅ ዝካየድ ምርጫ ሎሚ ሶሉስ ኣብ 14 ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ መረፅቲ ድምፆም ክህቡ እዮም።
ኣብዚ ሱፐር ቱስደይ (Super Tuesday) ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምርጫ ሕፁያት ሓደ ሲሶ ልኡኻት ንምውሳድ ዝወዳደርሉ እዩ።
ኣብ ኣየዋ፣ኒው ሃምሸር፣ነቬዳን ሳውዝ ካሮላይናን ዝተኻየደ ውድድር ዝመልኦ ምርጫ ስዒቡ ዝካየድ ናይ ሎሚ ምርጫ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ግዝኣት ኣሜሪካን ሳሞኣ ዝሓውስ እዩ።
ሰነቴር በርኒ ሳንደርስ ብመዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ 58 ልኡኻት ብምስዓር ኣብ ካሊፎርኒያን ቴክሳስን ይመርሑ ኣለው።ተወሳኺ ልኡኻት ክረኽቡ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
ጆ ባይደን 50 ልኡኻት ብምስዓር ይስዕቡ ኣለው።