ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ንትግራይ ዘይሓወሰ ኣስታት 6 ሚልዮን ተመሃሮ ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ኣይተመዝገቡን” ሚ/ትምህርቲ ኢትዮጵያ


ፈፃሚት ስራሕ ህዝባዊ ርክባትን ኮሚኒኬሽንን ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣመለወርቅ ህዝቅኤል ኣብ 2015 ዓ.ም ካብ ቅድመ ስሩዕ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ 29 ሚሊዮን ተማሃሮ ንምምዝጋብ መደብ እንተነበረ እኳ ፣ ብጭቡጥ ተመዝጊቦም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኣተዉ ግን 23.6 ሚልዮን ወይ ድማ 80 ሚእታዊት እዮም ክብላ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን። እቶም 20 ሚእታዊት ወይ ድማ 6 ሚሊዮን ዝኾኑ ተማሃሮ ግን ብሰንኪ ኲናት፡ ድርቂ፡ ውሕጅን ካልኦት ምኽንያታትን ክምዝገቡ ኣይከኣሉን ኢለን።

ብፍላይ ኣብተን ኲናት ዝነበረለን ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ተማሃሮ ኣዝዩ ውሕድ ከምዝኾነ ኣመለወርቅ ህዝቅኤል ገሊፀን። ንዕኣቶም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመፅሉ ወይድማ ኣብዘለውሉ ትምህርቲ ዝረኽብሉ መንገዲ ይድለይ ከምዘሎ እውን ኣመልኪተን።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዘለዋ ክልላት ኣብ ልዕሊ 4 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ጉድኣት ከምዘጋጠመን፣ 1,300 ድማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነዋን ዝጠቐሳ ኣመለወርቅ ህዝቅኤል፡ ነተን ኣብያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ምህላዎም ኣብሪሀን።

ብኻልእ ወገን፣ ዝሓለፈ 30 መስከረም ዝጀመረ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ኢትዮጵያ፡ ተማሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ዝተፈተንሉ ቀዳማይ ዙር ከምዝተዛዘመ ሓቢረን። ኣብዚ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 586 ሽሕ ተማሃሮ ከምዝተፈተኑ ዝገለፃ እተን ፈፃሚት ስራሕ፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ተማሃሮ ግን ኣይንፍተንን ኢሎም ካብ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲታት ምውፀኦም ተዛሪበን። ኣብዚ ቀዳማይ ዙር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ብዘጋጠመ ምፍራስ ድልድል ህይወት ሓደ ተማሃራይ እንትሓልፍ፣ 400 ተማሃሮ ድማ ካብ ከቢድ ክሳብ ቀሊል መጉዳእቲ ኣጓኒፉዎም እዩ። ንሃገራዊ ፈተና ኢትዮጵያ 976 ሽሕ ተማሃሮ ዝወስዱ ከምዝወስዱን፣ ካልኣይ ዙር ናይ ተፈጥሮ ሳይንስ ተማሃሮ ፈተና ካብ 8 ጥቅምቱ ክሳብ 11 ጥቅምቲ ከምዝወሃብ ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG