ዋሽንግተን —
ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ትማሊ ረቡዕ ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ሰልፊ ወጺኦም ኔሮም። ዕላማ`ቲ ሰልፊ፡ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዝሓዘቶ ናይዚ እዋን መርገጺ ዝተጋገየ ምዃኑ ንምሕባር ምዃኑ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ተሳተፍቲ'ቲ ሰልፊ ገሊጾም ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ትማሊ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ገበን ምፍጻሙ ተዛሪቡ`ሎ።