ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ናብ ኬንያ ክሃድሙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎም ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ


ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ብርሃኑ ፀጋዬ
ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ብርሃኑ ፀጋዬ

ናይ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን ምኽትል ዳይረክተር ዝነበሩ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ናብ ኬንያ ክሃድሙ ክብሉ ትማሊ ኣብ ዱከም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ክብል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ገሊፁ።ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይውዕሉ ናይ ዘለው ሰበስልጣን እውን ይውስኽ ኣሎ።ብኻልእ ዜና ጀነራል ክንፈ ዳኘው መንግስቲ ጠበቓ ይመድበለይ ኢሎም ንዘቕረቡዎ ሕቶ ቤት ፍርዲ ነፂጉዎ።

ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባትን ኮሚኒኬሽንን ጠቕላሊ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ዝናቡ ተኑ ቁጽሪ ኣብ ቀይዲ ይውዕሉ ናይ ዘለው ተጠርጠርቲ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጾም።

“ምኽትልዳይረክተር ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነትን ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስን ዝነብሩ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ብኬንያ ኣቢሎም ንምህዳም ኣብዝገበሩዎ ፈተነ ኣብ ከተማ ዱከም ተታሒዞም ኣለው።”

ንክስታት ብልሽውና የፃሪዩ ኣብ ልዕሊ ዘለው ሰብ ሙያ ብምፍርራሕ ንስራሓቲ ዓቃቢ ሕጊ ዓንቂፎም ዝበሉዎም ናይ ኢትዮ ቴሌኮም ሓላፊ ድቪዥን ደሕንነት ኮሎኔል ጉዴታ ኦላና እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ሓቢሮም።

ኣቶ ዝናቡ ብተወሳኺ ተጠርጠርቲ በብእዋኑ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉን ንቕድሚት እውን ዝእሰሩ ስለዝህልውን በዝሒ ዝተኣስሩ ምስተዛዘመ ክግለፅ እዩ ኢሎም ።

ብዛዕባ ኣብ ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነት ዝለዓለ ሓለፍነት ዝነበሮምን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘይውዓሉን ዝተሓተቱ ኣቶ ዝናቡ ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ መጀመሪያ ዙር ኣብ ትሕቲ ቀይዲዝኣተውን ዘይተትሓዙን ተጠርጠርቲ ኣለው።በብግዚኡ እናተፈለዩ ብዝተፀንዐን ብጥንቃቐን ኣብ ትሕቲ ቀይዲዝውዕልሉ ኩነታት ስለዝህሉ እዚ ድማ ኣብ ከይዲ መስርሕ ስለዘሎ ከምዚ ዝበለ ሰብ ተሪፉና’ሎ ወይ ኣኺሉና’ሎ ዝብል ዝተፈለየ ሓበሬታ የብልናን።”

ምስዚ ብዝተሳሰረ ዜና መንግስቲ ንጀነራል ክንፈ ዳኘው ጠበቓ ክምድበሎም ዝሃቦ ትእዛዝ ፌደራል ቤት ፍርዲ ነጺግዎ።

ፖሊስ ኣብ መዝገብ ምርመራ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘውን ሓዎም ኣቶ ኢሳያስ ዳኘውን ንቤት ፍርዲ ኣብዘቕረቦ ጥርዓን ተጠርጣሪ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው መንግስቲ ጠበቓ ይመድበለይ ዝበሉዎ ብምቅዋም ሃብቲ ከምዘለዎ ዘርኢ መርትዖ ኣለኒ ኢሉ።

‘’ኣብ ባንኪ ዘለኒ ገንዘብ ሓሙሽተ ሽሕ እዩ፣ገዛ ይኹን ካልእ ንብረት እውን የበልይን’’ ኢሎም ጀነራል ክንፈ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል:

ፖሊስ ኣብ ባንክ ሒሳብ ጀነራል ክንፈ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ብር ምውፅኡ መረጋገፂ ሰነድ ባንኪ ኣለኒ፤ካልእ ሃብቲ ከምዘለዎም እውን ሓበሬታ ኣለኒ ኢሉ።

ቤት ፍርዲ ንክርክር ክልቲኦም ወገናት ሰሚዑ መንግስቲ ጠበቓ ክምድበሎም ትማሊ ዝሃቦ ውሳነ ብምስዓር ናይ ውልቂ ጠበቓ ወይ ንርእሶም ወኪሎም ክከራኸሩ መማረፂ ምስሃቦም ተጠርጣሪ ምስ ስድርኦም መኺሮም ጠበቓ ሒዞም ንምቕራብ ሓቲቶም።

ቤት ፍርዲ ን11 ሕዳር 2011 ዓ/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

ብኻልኦት ክልተ ናይ ምርመራ መዛግብቲ ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦም ካልኦት ተኸሰስቲ እውን ተወሳኺ ናይ ምርመራ መዓልታት ሓቲቱ ተፈቒዱሉ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ትማሊ ኣማሲዩ መግለፂ ዘውፅአ ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ስርቅን ኢሰብኣዊ ተግባራትን ብምፍፃም ዝጥርጠሩ ንዝኾነ ይኹን ብሄር ኣይውክሉን፤ኣብ ልዕሊ ዜጋታት መጥቓዕቲ ይፍፅሙ ዝነበሩ ውልቀሰባት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ዝተወስደ ስጉምቲ ድማ ክልላዊ መንግስቲ ከምዝድግፎን ሕጋዊ ሓገዝ ንምሃብ ድልዊ ምዃኑን ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG