"ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ከም ብሓዱሽ ዝኸፈቶ መጥቓዕቲ ንዓና ተሓታቲ ምግባሩ ተቐባልነት የብሉን’ክብል ዴሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ገሊፁ።
እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገፁን ኣብ ብመርበብ ሓበሬትኡን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ 15 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ዝነብርሉ ማእኸል ስደተኛታት በራሕሌ ህወሓት ፈጺምዎ ኣብ ዝበሎ ናይ ከቢድ ብረትን ናይ ቦምብ መጥቓዕትን "ብርክት ዝበሉ ሞይቶምንን ኣካሎም ሰንኪሎምን" ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ንክልል ትግራይ የመሓድር ናይ ዘሎ ኣካል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ትግራይ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝድገፍ ብዝገለፆ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ሓይሊ ዝመፀ ዝበሎ ስግኣት ንምክልኻል ተሪር ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ ገሊፁ ነይሩ።
ብኻልእ ዜና ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተወለዐ ውግእ፣ ዝያዳ ግዳያት ደቂ አንስትዮ ከምዝኾና ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣሚና መሓመድ ገሊጸን። ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ዓፋርን ካልኦትን መገሻ ዝፈጸማ ኣሚና መሓመድ፣ ነዚ ዝገለጻ ብዓርቢ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ።
ኣሚና መሓመድ አብ መግለጺኣን፣ ቀንዲ ትኹረት መገሸአን፣ ኢትዮጵያ ናብ ጎደና ሰላም ትምለሰሉ ኩነታት፣ ምሕያል ሰብኣዊ ቀረባት፣ ትግባረ ምቁራጽ ተጻብኦ፣ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ምኽፋት፣ ልዕሊ ኩሉ፣ እቲ ይዝረበሉ ዘሎ ሃገራዊ ልዝብ ምዕዋት ዝብል ከምዝነበረ ጠቂሰን።
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደ ማህሰይቲ፣ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉድኣት (ትራጀዲይ) ከምዝኾነ ዝገለጻ ኣሚና መሓመድ፣ ንስቃይ ደቂ ኣንስትዮ ክዝንተወለይ ከሎ ንምስማዕ ኣዝዩ ከቢዱኒ ነይሩ ክብላ’ውን ተዛሪበን።
ንሰን "ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ምትእምማን ጠፊኡ አሎ። እቲ ልብኻ ዝሰብር ኩነታት ግና ማሕበራዊ መሰረት’ታ ሃገር ተበታቲኹ ምርኣይን፣ ብግጭትን ደርቂን ተሓላሊኹን ምርኣየይ እዩ" ኢለን።
ናብ ትግራይ ረድኤት ይኣቱ ኣሎ ግን ኣኻሊ ኣይኮነ ዝበላ ኣሚና መሓመድ፣ ጠንቁ ግን መንግስቲ ዘካይዶ ውግእ ኣይኮነን፣ ኣብ ሞንጎ ክልላት ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እዩ ዝብል ሓበሬታ ከምዝበጽሓን፣ ንሰን ድማ ንሕና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንብሎ ዘለና ድማ፣ ብመካይን ዘይካኣል እንተኾይኑ፣ ብኣየርን ካልኦት ኣገባብን ስለምንታይ ዘይንፍተን ዝብል እዩ ከምዝበላ ካብ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ንምርዳእ ይክኣል።