ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ድሬዳዋ ብናህሪ ዋጋን ሕጽረት ቀረብን ዘይቲ ከምዝተማረሩ ገሊጾም


ነበርቲ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣብታ ከተማ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕፅረት ዘይቲን ናህሪ ዋጋን ከምዝተማረሩ ገሊፆም። ብተመጣጣኒ ዋጋ ንዕዳጋ ዝቐርብ ዘይቲ እውን ብዝግባእ ንዝተፀገሙ ይበጽሕ ዘይምህላው እቶም ተጠቀምቲ ቅሬትኦም ገሊፆም።

ብመንግስቲ ኮታ ወፂእሉ ካብ ፋብሪካ ዘይቲ ንነበርቲ ከተማ ዝከፋፈል ዘሎ መጠን ብኽልተ ሲሶ ምንካዩ ናይቲ ፀገም ምንጪ ምዃኑ ናይታ ከተማ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሚንስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ ዘይቲ ምንሃሩን ናይ ሕጋውን ዘይሕጋውን ነጋዶ ኣሉታዊ ተራን ንወሰኽ ዋጋ ኣበርክቶ ገይሩ ኣሎ ይብል።

ሚንስትር ገንዘብ ኣቶ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ቀፃሊ ብደረጃ ሃገር 150 ሚሊዮን ሊትሮ ዘይቲ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንምግዛእ ምውሳኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላፆም ይዝከር።

ኣብ ዕዳጋ ንሓደ ብዓል ሓሙሽተ ሊትሮ ዘይቲ ካብ 650 ክሳብ 1000 ብር ዝሽየጥ ዘይቲ እቲ ምምሕዳር ብ450 ብር ከምዘቕርብ ምስተሰምዐ ካብ ለይቲ ጀሚሩ ክሳብ ምሸት ሪጋ ቀፂሉ ምህላው'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG