ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓረስቶት ከባቢ ቢሾፍቱ ብምኽንያት ዝወደቐት ነፋሪቲ ኢትዮጵያ መሬቶም ስለዝተሓዝአ ክሓርሱ ከምዘይከኣሉ ገሊጾም


ነበርቲ ከባቢ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦታ ሓደጋ ዝግባእ ለውጢ ኣይ ተ አታተወን ክብሉ የማርሩ

ኣርባዕተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምውዳቕ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነበርቲ ቢሾፍቱ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብዙሕ ለውጢ ኣየተአናገደን ይብሉ።

ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ 10 ሜትር መሬት ሕጂ’ውን ውሱን ምንቅስቃስ’ዩ ዘለው ስለዝኾነ ድማ ነበርቲ ቢሾፍቱ እቲ ኩነታት ዝተታሕዘሉ ኣገባብ ከምዘየሓጎሶም ይገልጹ።

ዓበይቲ ዓዲ እቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ናይ 10 ሓረስቶት መሬት ብከፊል ዝሓዘ ብምዃኑ እቶም ሓረስቶት ሎሚ ዓመት ካብቲ መሬት እኽሊ ኣየእትውን ማለት’ዩ ክብሉ የረድኡ።

ካልኦት ነበርቲ ድማ ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ኣብቲ ቦታ ክሊኒክን መንገዲን ከምዝስራሕ ተሓቢሩና ኔሩ ክሳብ ሕጂ ግን ዋላ ሓደ ምንቅስቃስ የለን ይብሉ።

ተስፋይ ሙላቱ ሓደ ካብ ነበርቲ ቢሾፍቱ “ክሳብ ሕጂ ዘረባ ጥራይ’ዩ :ኣብ ምጅማር ሓድሽ ዓመት ብኢትዮጵያዊያን ኣቆጻጽራ ክፍጽምዎ ተጸቢና እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ቃል ኣትዮም ዝተፈጸመ ነገር ግን የለን” ይብል።

ኣብዚ ሓደጋ 157 ሰባት ዝሞቱ ክኾኑ ከለው ቢይንግ ማክስ 8ነፈርቲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ በረራ ክእገዳ ዘገደደ ካልኣይ ሓደጋ’ውን’ዩ ኔሩ።

ቦይንግ 100 ሚልዮን ዶላር ንግዳያት ካሕሳ ክኸፈል መደብ ከምዘለው እንተሓበረ’ዃ: ስድራ ግዳያት ግን እቲ መደብ ዘይንጹር’ ዩ ክብሉ ይነቕፉ ገለ ስድራ ግዳያት’ውን ብውልቂ ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ክሲ ምምስራቶም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG