ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ: ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ላሊበላ ዳግማይ ከምዝሓዝዋ ገሊጾም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ


ከተማ ላሊበላ
ከተማ ላሊበላ

ነበርቲ ከተማ ላሊበላ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ላሊበላ ካብ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ንኻልኣይ ግዜ ከምዝሓዙዋ ገሊፆም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተዛረቡ ክልተ ነበርቲ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ምስ ወፁ ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ሰንበት ነታ ከተማ ተቖፃፂሮምዋ ኢሎም።

እቶም መሰኻኽር ብዘይተፈልጠ ምኽኒያት ወታሃደራት መንግስቲ ካብ ቀዳም ለይቲ ጀሚሮም ካብ ላሊበላ ምውፃእ ከምዝጀመሩን ካብ ርሑቕ ቦታ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ከምዝሰምዑን ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ ኩነታት ላሊበላ ርእይቶ ኣይሃቡን።

ኤኤፍፒ ከምዝፀብፀቦ ግን ህወሓት ኣብ ጥቓ ላሊበላ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ከተማታት መጥቓዕቲ ፈኒዩ ኣሎ።ናይ ህወሓት ደገፍቲ መሓውራት ዜና ካብ ላሊበላ 59 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ጋሼና ምስ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምግጣሞም ፀብፂበን ኣለዋ።

ወታሃደራት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንሓይልታት ህወሓት ደፊኦም ንከተማ ላሊበላ ምቑጽጻሮም ይዝከር።

ከተማ ላሊበላ ብብ ዩኔስኮ ናይ ዓለም ሓድጊ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ቤተ ክርስቲያን ዝርከበላ ከተማ እያ።

ንኤኤፍፒ ዝተዛረቡ ነበርቲ እታ ከተማ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቶም ነበርቲ ሕይል ዝበሉ እንተነበሩ እውን ኣብ ናይ ኣዋርሕ ፃኒሒቶም ነቲ ቅዱስ ቦታ ብፅቡቕ ኩነታት ሒዞምዎ ነይሮም ይብሉ።

ፌደራል መንግስቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓዙዎም ከባቢታት ንዝርከቡ ሆስፒታላትን መሰረተ ልምዓታትን ኣዕኒዮም ክብል ይኸስስ።

XS
SM
MD
LG