ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ዘንቆልቁል ዘሎ ኩነታት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘሻቀሎ ገሊጹ


ማይ ዓይኒ መዓስከር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ክልል ትግራይ- ፋይል
ማይ ዓይኒ መዓስከር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ክልል ትግራይ- ፋይል

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እናንቆልቆለ ይመጽእ ዘሎ ኩነታት መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣዝዩ ከምዘሻቀሎ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ኣብ’ዚ ቀረባ ጥቃ’ቲ መዓስከር ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ሰራሕተኛታት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንፈለማ ጊዜ ኣብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ከምዝኣተው’ውን ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ቦሪስ ቼሽሪኮቭ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ብመሰረት’ቲ ዝቀረበሉ ሪፖርት፣ ስደተኛታት ዝኣክል መግቢ ስለይረኽቡ፣ መድሓኒትን ጽሩይ ዝስተ ማይ ሕጽረትን ስግኣትን ኣንጸላልይዎምን ከምዘሎ ፈሊጥና ይብል።

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ሰሙናት ብሰንኪ ክትቆጻጸሮ ዝካኣል ጠንቂ ልዕሊ 20 ስደተኛታት ከምዝሞቱ፣ ብፍላይ ሕጽረት መድሓኒትን ማእከላት ሕክምናን ተጠቀስቲ ጸገማት ኮይኖም ኣለው።

ሕጽረት ነዳዲ ስለዘሎ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ ካብ ጎዳጉዲ ምውጻእ ኣይተካኣለን ወይካኣ ኣግዒዝካ ንምጥቃም ከቢድ ኮይኑ ኣሎ። ቀረባት ፈጺሞም ናብ’ተን መዓስከራት ምእታው ስለዘይተካኣለ፣ ከቢድ ጥምየት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ’ውን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ተኹሲ ደው ንከብሉን እቶም ልዕሊ 25 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ካልእ መዓስከር ንከግዕዞም መጸዋዕታ ኣቅሪቡ ኣሎ ትካል ስዱዳት ሕ፨ሃ።

XS
SM
MD
LG