ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ካብ ክልል ትግራይ ንዝስደዱ ዝውዕል ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልይ ጸዊዑ


ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን 30 ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ጉጅለታትን ካብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንዝተሰደዱን ዘዕቆብዎም ሃገራትን ን 6 ኣዋርሕ ሓገዝ ዝውዕል 156 ሚልዮን ዶላር ንምርካብ ፃውዒት ኣቕሪቦም ።

ሰባት ካብ ኲናት ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሃዲሞም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ምእታዎም ቀፂሎም ኣለዉ ። ይኹን እምበር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነዚ ክቅይሩ ዝኽእሉ ኩነታት የጋጥሙ ኣለዉ ይብል ።

ከም ሓበሬታ እቲ ትካል ካብ ኢትዮጵያ ንኸይወፁ ዝተኸልከሉ ስደተኛታት ምናልባት ናብ ጁቡቲን ኤርትራን ክስደዱ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣለዎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ካብ ክልል ትግራይ ንዝስደዱ ዝውዕል ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልይ ጸዊዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:55 0:00


Recommended

XS
SM
MD
LG