መቐለ —
ልዕሊ 60 በርጌሳውያን ትካላት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ንዝበለኦ ግፍዕታት ደው ክብል ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተወላዶ ትግራይ ብፍሉይ ዒላማ ዝገበረ ማእሰርቲ ከም ዘየለ’ዮም ዝመልክቱ። ሚኒስተር መራኸቢታት’ታ ሃገር ዶክተር ለገሰ ቱሉን ወሃብ ቃል፡ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ዲና ሙፍቲን ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚ ተሓቲቶም፡ “ብተግባሩ እምበር ብምኽንያት መንነቱ ዝተኣስረ ሰብ የሎን፡” ክብሉ መሊሶም።
ንምጽናት ዓሌት (ጀኖሳይድ) ዝምልከት’ውን ላዕለዎይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚቸል ባችለት፡ ኣብ እዋን ጸብጻብ ምቕራብ ኣብ ዝተሓታትሉ እዋን፡ “ንዓሌት ምጽናት ዘመልክትን 'ጆኖሳይድ' ኢልካ ክትጽውዖ ዘኽእልን” ገበናት ዛጊት ኣይመዝገብናን፡” ኢለን ነይረን።