ዋሽንግተን —
ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ዝተፈጥረ ናዕቢ ድርኺት ኰይኑ ብዝብል ምኽንያት፡ ካብ ፈይቡክ ንኽልተ ዓመት ተኸልኪሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ተነቢሩዎ ዝነበረ ውልቃዊ እገዳ ክለዓል እቲ ትካል ወሲኑ። ንፈይቡክ ዘመሓድር ትካል ሜታ ነቲ ትማሊ ረቡዕ ወግዓዊ ዝገበሮ ሓበሬታ፡ ተመሳሳሊ ተርእዮ ብመገዲ ፌስቡክ ንኸይተባባዕ ዝኽልክል ኣገባባት ከም ዘተኣታተወ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።
ወሃብ ቃል ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ብዛዕባ’ቲ ለውጢ ርእይቶ ኣይሃበን።
ድሕሪ’ቲ ናይ 6 ጥሪ 2021 ፍጻመ፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ንጽባሒቱ 7 ጥሪ ኣትሒዙ ካብ ምጥቃም ፌስቡክ ተአጊዱ’ዩ ጸኒሑ።
ካልኦት ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ወሲደን ምንባረን ይዝከር። ኩባንያ ትዊተር ብኢላን ማስክ ድሕሪ ምግዛኣ ግን ናብ ተጠቃምነት ትዊተር መሊሱዎ ኣሎ።
“ትሩዝ ሶሻል” ዝብል ናይ ባዕሉ ማሕበራዊ ገጽ ዝኸፈተ ዶናልድ ትራምፕ ግን ድሕሪ ምምላሱ’ውን ኣብ ትዊተር ዛጊት ኣይተጠቀመን።