መቐለ —
ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ክልል ትግራይ ዝምስረት ጊዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ምስ ዘጣይሽ ኮሚቴ ርክብ የብልናን ኢሎም።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና)ን ውድብ ናፅነት ትግራይን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምስቲ ኮሚቴ ዘተ ንምክያድ ሎሚ መዓልቲ ቆፀራ ከም ዝነበሮም ብምግላፅ ናብቲ ኣኼባ ካብ ምኻድ ከም ዝተዓቀቡ ድማ ገሊፆም።