ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራጻይ ፕረ.ጆ ባይደን ንክታበት ቫይረስኮሮና ንምውሳኽ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም


ተመራፃይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ፈለማ 100 መዓልታት ስረሖም 100 ሚልየን ክታበት ፀረ ኮቪድ ናብ ህዝቢ ብምቅራብ ኣብ ልዕሊ ኮቪድ ተሪር ስጉምቲ ከምዝወስዱ ተዛሪቦም ። ከምኡ'ውን ምምሕዳር ትራምፕ ሕፅረት ቀረብ ክታበት ይረኣዮ ኣሎ ኢሎም ።

ብሰሉስ ኣብ ዊልምንግቶን ዴልዊር ኣብ ዝርከብ ግዚኣዊ ቤት ፅሕፈቶም ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ "ፈውሲ ክታበት ናይ ምብፃሕ ዓቅሙ/ትልሙ/ ንድሕሪት ዝተረፈ እዩ " ኢሎም እዮም ።

ድሕሪ ጥሪ 20 ንሶም ስልጣኖም ምስተረከቡ "ገነትን መሬትን ኣንቀሳቂሶም ናብቲ ትኽክለኛ ኣንፈት ክንጉዓዝ ክሰርሕ እየ " ክብሉ ቃል ኣትዮም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG