ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሓለቕቲ ጉጅለታት መንግስታት ለበዳ  ቫይረስ ኮሮና ንናይ መሓውራት ዜና ሕግታት ንምጥባቕን ንምዕፋንን ይጥቀምሉ ኣለው ኢሎም


ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ተሓለቕቲ መሓውራት ዜና ኣብ ዙሪያ ዓለም መንግስታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንናይ መሓውራት ዜና ሕግታት ንምጥባቕን ንነፃ መራኸቢ ብዙሃንን ንምዕፋንን ይጥቀምሉ ኣለው ኢሎም ።

ኣብ ቻይና:ኢራን: ቱርኪ:ሃንጋሪን ታይላንድን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሕኹም ብዝብል ንጋዜጠኛታትን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ምእሳሮምን ምቕፅዖም ቀፂሎም ኣለው።

ብዙሓት መራሕቲ ክሳብ መዓስ ከምዝጸንሕ ዘይፍለጡ ሓደሽቲ ሕግታት የውፅኡ ኣለው።

ደቡብ ኣፍሪቃን ኢራንን ጋዜጠኛታት ሽሞም ብግልፂ ንዘይፍለጡ ምንጭታትን ወይ ሰብ ሞያ ሕክምና ቃለ መጠይቕ ከይገብሩ ኣጊደን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚንስትር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ መሓውራት ዜና ፀብፃባት ቅድሚ ምውፅአን ካብ መንግስቲ ፍቓድ ክረኽባ ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ሓቲቶም ቤት ፍርዲ ግን ውዱቕ ገይሩዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG