ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል ማዕረ ኣንጻር ሰብኣዊነት ዝግመት ገበን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማዊያን ፈጺማ'ያ ክብሉ ይኸሱ

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማዊያን ማዕረ ኣንጻር ሰብኣዊነት ዘሕትት ገበን ከምዝፈጸመት ሁማን ራይት ዋች ገሊጹ።

ሁማን ራይት ዋች ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝዘርገሖ 213 ዝገጻቱ ሪፖርት፣ እስራኤል ንፍልስጤማውያን ተሳድዶም አላ፣ ኣብ ልዕሊኦም ፖሊሲ ኣፓርታይን ተትግብር ኣላ ይብል።

እቲ ሪፖርት ወሲኹ እስራኤል ንምንቅስቃስ ፍልስጤማዊያን ደሪታቶ፣ ግዝኣቶም ጎቢጣ ንሰፈራ ትጥቀመሉ ከምዘላ ይጠቅስ።

ንሪፖርት ሁማን ራይት ዋች መልሲ ዝሃበ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል "ውሑዳን እስራኤላዊያን ኣዕራብ፣ ሙሉእ መሰል ኣለዎም፣ እቲ ብሁማን ራይት ዋች ዝተዋሃበ መግለጺ ‘ናይ ኣምስሉን መደናገሪን’ መግለጺ" ክብል ነጺግዎ።

XS
SM
MD
LG