ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያዊት ተመራማሪት ፍሉይ ዓይነት ቫይረስኮሮና 'ንዓለም ክልብድ ይክእል'ዩ' ክትብል ተጠንቅቕ

ሓንቲ ብሪጣንያዊት ሳይንትስት፡ ንሃገራ ዝልብድ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ኮሮና- ንዓለም ምልእታ`ውን ክልብዳ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ ክትብል ኣጠንቂቓ።

ሓላፊ ጉዳይ ኮቪድ-19 ብሪጣንያ ሻሮን ፒኮክ`ያ ትማሊ ረቡዕ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ነቲ ትንበያ ተዛሪባ።

እቲ መጀመርያ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ደቡባዊ ብሪጣንያ ዝተራእየ ዓይነት ቫይረስኮሮና ኣብ ልዕሊ 50 ሃገራት ምእታዉ ክልለ ክኢሉ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ሓለፍቲ ውድብ ጥዕናን ትካል ሕጻናት ሕቡራት ሃገራትን፡ ምህርቲ ክታበት ኮቪድ ክውስኽን፡ ንኹሉ ብማዕረ ክባጻሕን ተማሕጺኖም ኣለዉ።

ሃገራት ኪነው ዶባቶም ብምጥማት እቲ ክታበት ክባጻሓሉ ዝኽእል ስትራተጂ ክሓስቡን፡ ነቲ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ኣብ ምዕጋት ክነጥፉን ክልቲኦም ትካላት ጸዊዖም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ክታበት ፋብሪካ ኣስትራ ዚንካ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 14 ክሳብ 64 ዓመት ጥራሕ ንዘለዉ ክውሃብ ፈረንሳን ጀርመንን ደሪቶንኦ ዝጸንሓ ኽሊ ዕድመ- ልዕሊ 65 ዓመት`ውን ክውግኡ ከምዝኽእሉ- ሓደ ጉጅለ ሳይንትስትታት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣሚሙ`ሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃ`ውን ክታበት ኣስትራ ዝንካ ነቲ ዳሕራዋይ ዓይነት ቫይረስ ኣድማዒ ኣይኮነን ብዝብል ምጥቃም ኣስትራ ዚንካ ንግዚኡ ደው ኣቢላቶ ጸኒሓ`ያ።

XS
SM
MD
LG