ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ክስታት ዝተመስረቶ ኣዳላዊ መጽሄት 'ፍትህ' ተመስገን ደሳለኝ ብ100 ሺሕ ብር ዋሕስ ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍታሕ ቤት-ፍርዲ ትእዛዝ ሂቡ።
ጠበቓ ጋዜጠኛ ተመስገን ኣብቲ ብይን ክልተ ደያኑ ክፍታሕ ክውስኑ ከለዉ ሳልሳይ ግን ካብኦም ብምፍላዩ ብድምጺ ብልጫ ክፍታሕ ተወሲኑ`ሎ ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
ዓቃቢ ሕጊ ግን ተመስገን እንተተፈቲሑ ካልኣይ ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይክቐርብ ይኽእል`ዩ ዝብል መከራኸሪ ነጥቢ ስለዘልዓለ፡ ቤት ፍርዲ ኣብ እዋን ክርክር- ናብ ወጻኢ ንከይከይድ ዝእግድ ውሳነ ናብ ኢምግረሽን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ`ሎ።