ዋሽንግተን —
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ፕረዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ንሕገ መንግስቲ ንምልዋጥ ዝገበሩዎ ፈተነ ካብ ሕጊ ወፃኢ ምዃኑ ትማሊ ሓሙስ ገሊፁ።
ኣብ 2010 ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝፀድቕ እቲ ፓርላማ 'ተበግሶ ምህናጽ ድልድላት' ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ ናይታ ሃገር መንግስታዊ መሓውር ዓብይ ለውጢ ብምግባር ንዝቐረቡ መመሓየሺታት ኣፅዲቑ እዩ።
ሓሙሽተ ዳያኑ ዝሓቖፈ መጋባእያ ከምዝበሎ ኬንያታ ዜጋታት ዝተሓዝአ ኣብ ሕገ መንግስቲ ንዝተቐመጠ ዓንቀፅ ምጥቓምም ዘይሕጋዊ መስርሕ ይገብሮ ኢሎም።
ካብቶም ዳያኑ ሓደ"ፕረዚደንት ኣብ ሓደ ጸወታ ተፃዋታይን ዳኛን ክኸውን ኣይኽልን’’ ኢሎም ።
ኬንያታ ነቲ እማመ ምስ ፈረምሉ ህዝበ ውሳነ ክካየድ ድልየት ዘለዎ መንግስቲ ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ይግባይ ክብሎ እየ ኢሉ።
ኬንያታ እቲ እማመ ኣብ መንጎ ተወዳደርቲ ብሄራዊ ጉጅለታት ኣብ እዋን ምርጫ ዝመላለስ ህውከት ብምንካይ ስልጣን ዘማቕል እምበር ንዝኾነ ይኹን ዒላማ ዝገበረ ኣይኮነን ኢሎም።