ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ንጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝምልከት ውሳነ ኣሕሊፉ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ -ፋይል
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ -ፋይል

ትማሊ ረቡዕ ኣኼብኡ ዘሰላሰለ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ አብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ተማኺሩ ውሳነ ከምዘሕለፈ ተፈሊጡ።

ብመሰረት’ዚ፣ ነቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ንዝተበጽሐ ስምምዕነት ኣፍልጦ ከምዝሃበ’፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምወል ሽምግልና ከምዝዝክር፣ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ብኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ዝካየድ ልዝብ ንክምለሳን ንክዛዝማን ጸዊዑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ናብ ተዓዘብቲ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፣ ሰለስቲኤን ሃገራት ተሓባቢረን ዕድመ ከቅርባ ከምዝኽእላ፣ ቴክኒካዊን ሕጋዊን ጉዳያት ንምፍታሕ ኣብ ዝገብረኦ ልዝብ ሓገዝቲ ንክኾኑ ኣተባቢዑ።

ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ንኣፍሪቃ ትመርሖ ልዝብ፣ ብሃናጻይን ምትሕብባር መንፈስን ንክጥምተኦ፣ እዚ ትማሊ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ መትከልን ንምስሕሓብ ዶብ ሰገር ወሓዝቲን ዝወጹ መምርሒታት ዝጻባእ ከምዘይኮነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ምስ መርገጺ ኢትዮጵያ ከምዝሰማማዕ፣ እንተኾነ ኢትዮጵያ ዘግድድ ውሳነ ከምዘይትቅበል ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ኢትዮጵያ አምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጾም።

እቶም ኣምባሳደር ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝዝትየሎም ዛዕባታት ንዓበይቲን ዓለምለኻዊ ስግኣት ዓለምን እዮም፣ እዚ ትማሊ ዝዘተየሉ ግና ኣብ’ዚ ዝሕቆፍ ኣይኮነን" ኢሎም።

ኣምባሳደር ዲና "ቱኒስያ ነዚ አጀንዳ’ዚ ክተቅርቦ ኣይምተገበአን። ኣስገዳዲ ኢልካ ውሳነ’ውን ኣይንቅበልን" ከምዝበሉ ሪፖርት ኬኔዲ ኣባተ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG