ኣብ ኢትዮጵያ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ኣብ ስልጣን ንክቕጽል ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ዝሃቦ ውሳነ፥ሰለስተ ተወዳደርቲ ፓርትታት ተቓዊሞሞ።
እቶም ፓርቲታት እቲ ውሳነ ንናይዛ ሃገር ሰላምን ርግኣትን ሓደጋ ዝፈጥር'ዩ ኽብሉ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ። ብፍላይ ኦነግን ኦፌኮን፥ገዛኢ ፓርቲ ብዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉን መንገዲ ናይ ስልጣኑ ግዜ ንምንዋሕ ወሲድዎ ንዝበልዎ ስጉምቲ ኣይንቕበልን ኢሎም።
ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ፈደራልስት ኮንግረስ ኦሮሞን ብሓባር ኮይኖም፡ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ድማ ብንጽል ኣብ ዘውጽእዎም መግለጽታት፥ትማሊ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝሃቦ ውሳነ ንሰላምን ርግኣትን'ዛ ሃገር ንሓደጋ ዘቃልዕ'ዩ ክብሉ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ። ብፍላይ ኦነግን ኦፌኮን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ውሳነ’ቲ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ንሕገመንግስቲ ዝጠሓሰ'ዩ ይብል።
ክልቲኦም ውድባት ቅድሚ ሎሚ ኣማራጺ ሓሳባት ከቕርቡ ከምዝጸንሑ ዝገለጸ እቲ መግለጺ፡ገዛኢ ፓርቲ ግን ብእምቢተኝነት ኣብዚ ዓመት ክግበር ንዝነበሮ ምርጫ ክካየድ ብዘይምኽኣሉ ክፍጠር ንዝኽእል ሕገመንግስታዊ ሕቶ ንምፍታሕ ፡ ፍታሕ'ዩ ዝበሎ ብበይኑ ብባይቶ ወከልቲ ኣቢሉ ናብ ጉዳይ መርማሪ ሕጊ ከምዝኸይድ ጌርዎ ክብል ይኸስስ።ነቲ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝሃቦ ውሳነ ድማ ኣይንቕበሉን ይብሉ።
ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብንጽል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፥ብተመሳሳሊ እቲ ቤት ምኽሪ ዝሃቦ ውሳነ ነዛ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል'ዩ ዝብል ቃና ዘለዎ መልእኽቲ ኣሕሊፉ'ሎ።ገዛኢ ፓርቲ በይኑ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣግላሊ'ዩ ክብል`ውን ነቒፉ።
ኣቦ መንበር ኦፌኮ ዶ/ር መረራ ጉዲና እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ሓደ ኣካል ኣብ ናይ ባዕሉ ጉዳይ ዳኛ ክኸውን የብሉን ይብል። ኣብ ዝኾነ ዓለም ኣብ ናይ ባዕልኻ ጉዳይ ዳኛ ኮይንካ እንተቐሪብካ ኣዝዩ ግጉይ'ዩ ኢሉ።
ጸገምና ፖለቲካ'ምበር ሕገ መንግስቲ ኣይኮነን ዝበለ ዶ/ር መራራ፡ ናይ ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ ምልዋጥ ሽግር ኣይኮነን ኢሉ።
ኣቦ መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣተሓሒዙ፡ ገዛኢ ፓርቲ ባዕሉ ብዝቆጻጸሮ ሜዳን ብዝደለዮ ኣንፈትን, ሓደ ሓደ ግዜ ትያትር ብዝመስል መንገዲ ዘካየዶ'ዩ ፡ስለዚ ፖለቲካና ነስተኻኽል ኢሉ። እንተኾነ ሕጋውን ሰለማውን ቃልሲ ካብ ምክያድ ካልእ ምርጫ የብልናን ኢሉ ።
መግለጺኹም ንህውከት ዝዕድም 'ዩ ንዝብል ብነቐፍቲ ዝቐርብ ክምልስ ከሎ ድማ፡ "ንሕና ንዝርርብ እናጸዋዕና ከመይ ኢሎም ህውከት ትጽውዑ ኣለኹም ክብሉና ይኽእሉ።ሕጂ'ውን ብዝሰኸነ ኣእምሮኹም ሕሰቡ፡ ንጉስ ፈቲኑ፡ደርጊ ፈቲኑ፡ መለስ ፈቲኑ፡ ኢህወደግ ፈቲኑ ኣይክኣለን፡ሕጂ ድማ ንስኻትኩም ተመሊስኩም ንታሪኽ ኢትዮጵያ ብዘይምምሃር ተመሊስኩም ናብ ዓዘቕቲ ኣይትእተዉ እናበልና፡ ልዝብ እናሓተትና፡ኣማራጺ ሓሳባት ናብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ እናቕረብና ሕጋውን ሰለማውን ቃልስና ካብ ምቕጻል ንድሕሪት ኣይንብልን ኢና "ኢሉ።
ኣተሓሒዙ እዛ ሃገር ናብ ሓደጋ ንኸይትኣቱ ግን ብወገና ጻዕርና ክንቅጽል ኢና፡ ካብ መንግስቲ ምላሽ ክንረክብ'ውን ተስፋ ንገብር ኢሉ።
ብዛዕባ'ዚ መግለጽታት ሰለስቲኦም ፓርትታት፥ ካብ ሰበ'ስልጣን መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ዛጊት ኣይሰመረን ምስ ተረኽበ ክነቕርቦ ኢና ።