ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንክታት ኢትዮጵያ ምስ ምእታው ባንክታት ወጻኢ ሃገር ናብ ሓደ ክሓብሩ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ይሕብር


ፋይል
ፋይል

ባንክታት ኢትዮጵያ ካብ ባንክታት ወጻኢ ሃገራት ንዝመጾም ተጽዕኖ ንምፅዋር፣ ናብ ሓደ ክወሃዱ ከምዘለዎም ሓደ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ። እቲ ብማሕበር ሰብ ሞያ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዝቐረበ መፅናዕቲ፣ እታ ሃገር ዕዳጋኣ ንናይ ወፃኢ ባንክታት ክትከፍት እንከላ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ በቶም ዓበይቲ ባንክታት ወፃኢ ከምዝዕብለሉን ከምዝጥቕለሉን የመልክት። በዚ ድማ ናይ ምውድዳር ዓቕሞም ክዳኸም ከምዝኽእል የረድእ። ነዚ ፀገም ንምፅዋር ድማ ውህደት ብምፍጣር ናብ ሓደ ዓብዪ ባንኪ ክዓብዩ ከምዘለዎም እቲ መፅናዕቲ የመልክት።

ሰብ ሞያን ሓለፍትን ባንክታት ኢትዮጵያ ግን በዚ ኣይስማምዑን። ዋና ፀሓፊ ማሕበር ባንክታት ኢትዮጵያ ኣቶ ደምሰው ካሳ፣ ነቲ ዝመፅእ ፀገም ንምፅዋር ነተን ባንክታት ተዋሃዳ ምባል ጊዜኡ ኣይኮነን ይብሉ። እኳደኣስ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ጥብቕ ዝበለ ናይ ምቁፅፃር ዓቕሚ ከማዕብልን ስርዓት ክዝርግሕን ይሓቱ። ኣቶ ቴዎድሮስ ሃይሉ ካብ ኣዋሽ ባንክ ድማ እቶም ባንክታት ተዋሂዶም ዝፈጥርዎ ነገር የለን፣ መንግስቲ ግን ፍትሓዊ ዝኾነ ናይ መወዳደሪ ባይታ ክፈጥር ኣለዎ ብምባል ተዛሪቦም። ባንክታት ወፃኢ ሃገራት ብዙሕ ፀገም ከስዕቡ ከምዝኽእሉ እውን ሓቢሮም።

ነቲ መፅናዕቲ ዘቕረቡ ዶ/ር ፈጠነ ቦጋለ ናይ ወፃኢ ሃገራት ባንክታት ናብ ኢትዮጵያ እንተኣትዮም ዘምፅእዎ ረብሓ እውን ከምዘሎ ይገልፁ። ባንክታት ወፃኢ ሃገራት ኣብ ዝመጽሉ ውድድር ስለዝውስኽ ዝርገሐ ኣገልግሎት ባንኪ ክዓቢ እዩ፣ ኣብ ከተማታት ተኣኪቦም ዘለው ባንክታት'ውን ናብ ገጠራት ክዝርግሑ እዮም ይብሉ። ነቶም ባንክታት ስዒቦም ሰብ ሃብቲ ወፃኢ ሃገራት እውን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፁን በዚ ድማ ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ከምዝውስኽን እቶም በዓል ሞያ ተዛሪቦም።

ካብ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣቶ ፍሬዘር ኣያሌው ብወገኖም ናይ ወፃኢ ሃገራት ባንክታት ክኣትውን ኣብ ኢትዮጵያ ጨንፈር ክኸፍቱን ምስ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ ብምሕዝነት ክሰርሑን ኣለዎም ዝብሉ መምርሕታት ከምዝተዳለው ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG