ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ራማ ክልል ትግራይ ኣደምስ ክልተ ኣዋልድ ደቀን ክራር ምፅዋት ለሚደን


ካብ ከተማ መቐለ ኣስታት 200 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ከተማ ራማ ሓንቲ አደ ምስ ክልተ ደቃ ባህላዊ ናይ ሙዚቃ መሳርሒት ዝኾነት ክራር ብቑዕ ክእለትን ልምዲን ኣለወን ።ነዚ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ብከመይ ከምዝመለኽኦ ድማ ከምዚ ክብላ የረድኣ።

“እታ ከራር ኣብ ገዛና ስለዝነበረት ኣብ ግዜ ቁልዕነተይ ኣብ ሞጓሰ እየ ለሚደያ፡፡ ገና ህፃን ኮይነ እየ ክራር ክጻወት ዘጀመርኩ፡፡ ድሕሪ ግዜ ናብ ትምህርቲ ኣትየ ውሱን ምትብባዕ ይግበረለይ ሰለዝነበረ፤ ትምህርተይ እናተምሃርኩ እውን ቀፂለሉ ነይረ፡፡ ደሓር 10ይ ክፍሊ ምስ ወዳእኩ፤ ናብ ደቀይ ኣድሂበ፡፡ ኣብአን ተሰፋ ገይረ፡፡ ሰናይት ባዕላ ክራር ትጻወት ምስ ጀመረት ኣነ ንዐአን ምዕባይ ገይረ ስርሐይ፤ ሐዚ እውን ግን ይወቅዕ እየ፡፡ ዛጊድ ካብዚ ዘተረባሕከዎ ነገር የለን፡፡ ደቀይ ግን ብኡ ክቅጽላ አየ ባህገይ፡፡ ሙዚቃ ሞያ ስለዝኾነ ሓገዘቲ ረኪበን ብኡ ከዓብያ እዩ ድልየተይን ፃዕረይን፡፡”

ዓባይ ጓላ ሰናይት ሽሞንዲ እያ፡፡ ሰናይት “ክራር ምውቃዕ ዝጀመርኩ ገና ጓል 6 ዓመት ቆልዓ እናሃለኩ እዩ፡፡ ሎሚ 16 ዓመት ገይረ 9ይ ክፍሊ ይምሃር ኣለኩ፡፡ በብግዝኡ ክእለተይ አናማዕበልኩ ኣብ መርዓን መድረኻትን ይደርፍ እየ፡፡ ይኩን እምበር ምስቲ ዘለኒ ድልየት ዘዕግብ ባይታ ኣይረኸብኩን፡፡ ካብ ክራር ወፃኢ ኦርጋን ጊታር ይፈታትን እየ፡፡ ኣብ ወረዳና ዘላ ባንዲ ክትሕግዘንን ክእለተይ ከዕብን ኣይሓገዘትንን ዝተወሰነ ግን ሕልፍ ሕልፍ ኢለ ስለዝላመድ ክፈታትን ጀሚረ ኣለኩ፡፡ አቲ መሳርሒ ዘይምርካብ እምበር ዛጊድ ብዝግባእ ክመልኮ ነይረ፡፡ ንቅድሚት በዚ ሞያ እየ ክዓብን ክልወጥን ዝደሊ፡፡ ስልጥናን ዝተወሰነ ሓገዝ መሳርሕን ተዝረክብ ሙሉእ ህይወተይ ብሙዚቃ ከሕልፎ አየ ዝደሊ”ትብል፡፡

ንእሽተይ ሓፍቲ ለዚባ ሻውስ ድማ ጓል 11 ዓመት 4ይ ክፍሊ ተምሃሪት አያ፡፡ ንሳ ክራር መዓዝን ከመይን ከምዝጀመረታ ኣይርድአንን ትብል፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

XS
SM
MD
LG