ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅዱስ ጾመ ረመዳን ኣብ ኣሜሪካ


ኣመንቲ እስልምና ዓለም ናይ ሓደ ወርሒ ፆም ረመዳን ካብ ዝጅምሩ ሓደ ሰሙን ገይሮም ኣለው።ረመዳ እዋን ፆም፣እዋን ምልውዋጥ ሓሳብ ንሓሳብ እዋን መተኣኻኸቢ ማሕበረሰባት እዩ።ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ዓሌታዊ መቦቀልን ዘለዎም ሙስሊም ኣሜሪካዊያን ኣብ መላእ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከቡ እስላማዊ ማእኸላት ንፀሎትን ምስጋናን ይራኽቡ።

ኣሜሪካዊያን ኣመንቲ እስልምና ልክዕ ከም ኣብ ካልኦት ናይ እስልምና ዓለም ዝርከቡ እስልምና በቲ ልሙድ ስርዓት የኽብሩዎ።መራሕቲ ስድራታት ካብ መሸጢ ስጋ ድኳን ሓላል ንመፍጠሪ ዝኸውን መግቢ ይዕድጉ።ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት ዝዘልቕ ፆም ምስ ስድርኦም ኣዕርኽቶምን ኮይኖም የፍጥሩ፣ይፅልዩ ንድኻ ይሕግዙን።

ሻኪር ኤልሰይድ ኢማም ኣብ ቨርጂናይ ናይ ዝርከብ ዳር ኣል ሂጅራ እስላማዊ ማእኸል እዮም።እቲ ማእኸል ካብ 42 ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝመፁ ኣመንቲ እስልምና ማሕበረሰባት ኣገልግሎት ይህብ።

“ረመዳን ዝተፈላለየ ባህልዊ፣ናይ ዓሌትን ናይ ቋንቋን ድሕረባይታ ዘለዎም ሰባት ናብ ሓደ ንምምፃእ ኣዚዩ ጠቓሚ ዝኾነ ዕድል ዝህብ እዩ።ኩላትና ኢንግሊዝኛ ንዛረብ ኢና።ኢንግሊዝኛ ከም ንኹሉና ዝጠምር ቋንቋ ኢና ንጥቀመሉ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፍላይ ኣብ እዋን ረመዳን ንገብሮም ምንቅስቓሳት ንኹሉ ዝሓቁፍ እዩ።”

ሻኪር እቲ ማእኸል ንሙስሊማት ማዕልታዊ ፆሞም ዘፍጥርሉ ምግቢ የቕርበሎም፤ኣብ እዋን ረመዳን ምሸታዊ ፀሎት የዳልው።ኣሜሪካዊያን ሙስሊማት ፀወምቲ ብዘይኮኑ መሳርሕቶም ተኸቢቦም ይፆሙ።ንግብፃዊ ኣሜሪካዊ ኢርብራሂም ራዲ እዚ ፀገሙ ኣይኮነን።

“ክፀውም ኣለኒ ምኽንያቱ ሃይማኖታዊ ግቡአይ እዩ።ካሊእ ሰብ እንታይ ይሰርሕ ዘገድስ ኣይኮነን።”

ብዓልቲ ቤቱ ናዲያ ግን ኣብ ሞሮኮ ብዙሓት ኣባላት ስድርኣ ተኣኪቦም ዘኽብሩዎ ኣዚያ ትንፍቖ።

“ዓብዮ ፍልሊ ኣለዎ፤ኣብዚ ሃው፣ሓፍቲ፣ወዲ ሓፍቲ፣ኣኮ፣እኖሓጎን ኣቦሓጎን ዝኣመሰሉ ኣባላት ስድራ የብላክን።ኣብ ክንዲ ብ10 ሰባት ተኸቢብና ንኸብሮ ክልቴና ጥራሕ ኢና ዘለና።”

ሙስሊም ኣሜሪካዊያን ኣብ እዋን ረመዳን ሃይሞንታዊ ግብኦም ንምፍፃም ዝገብሮም ናይ ስራሕ ማዕልቶም ነዊሕ ክመስል ይኽእል እዩ።

ኣሚና ታንቦሽ መቦቀላ ሰኔጋል እዩ።

“ኩሉ ሰብ ገለ ምግቢ ሰሪሑ የምፅእ’ሞ ኩላትና ድማ ሓቢርና ንበልዕን ሓቢርና ንፅልን።ብዛዕባ ሃይማኖት ምስልምና ንዝቲ፣ነንሕድሕድና ንመሃሃር።ኣብ ስራሕ እውን ኣብ እዋን ምሳሕ ስዓት ሓቢርና ንሰግድ።”

ንጉጅለታት ሙስሊም ኣሜሪካዊያን ረመዳን ንህዝቢ ኣሜሪካ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ብዓልን ብሓፈሻ እስላማዊ እምነትን ንምምሃር ዝጥቀምሉ እዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ከባቢያዊ መስጊዳትን እስላማዊ ማእኸላትን ብዛዕባ ረመዳን ኣስተምህሮ ይውሃብ።ስዓብቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ብሓባር ናይ መፍጠሪ ድራር ምብላዕን ሙስሊማት ኣካል ማሕበረሰት ዩናይትድ ስቴትስ ምዃኖም ብቴሌቪዥን ኣቢልካ ንህዝቢ ምፍልጣን ይሓውስ።

ኢማም ሻኪር ኤልሰይድ እስላማዊ ማእኸሎም ንኣሜሪካዊያን ስዓብቲ ክርስትናን ኣይሁዳዊያንን ብምግባዝ ኩልሻዕ ረቡዕ ሓቢሮም ድራር የፍጥሩ።እዚ ኣብ እዋን ረመዳን ዝካየድ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዝካየድ ዘተ ኮይኑ የገልግል።

ኣብ እዋን ወርሒ ፆም ረመዳን ኣብ መንጎ ስዓብቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዝካየድ ምዝርራብ ኣብ መንጎ ስዓብቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ዝሐሸ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣር ይሕግዝ ይብሉ ፈላማ ሙስሊም ኣሜሪካዊ ኣባል ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ።

“ክነካይዶ ዘለና ኣገዳሲ ዘተ እዩ።ኩሉ ዓይነት ቀለም ዘለዎም ሰባት፣ኩሉም ባህልታትን ሃይማኖታትን ብሓባር ኮይኖም ኣበይ ይፈላለዩ ከምዘለው ክዘራረቡ ኣለዎም።ሽዑ ከመይ ክንሓብር ከምዘለና ክንፈልጦ ኢና።”

ካብ መጀመሪያ 1990ን ጀሚሩ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንታት በብዓመቱ ኣብ ዙሪያ ዓለም ንዝርከቡ 1.5 ቢሊዮን ሙስሊማት ናይ ረመዳን ሰላምታ የመሓላልፉ።

ኢማም ሻኪር ኤልሳይድ እቲ ፕሬዝዳንታዊ ሰላምታ ኣሜሪካዊን ብዛዕባ ረመዳን ኣፍልጥኦም ልዕል ክብል ከምዝሓገዘ ይኣምኑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅዱስ ጾመ ረመዳን ኣብ ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:51 0:00


XS
SM
MD
LG