ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ክልል ትግራይ ተቋሪፁ ዝፀንሐ ርክብ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ


ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ርክብ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዝተፈረመ እዚ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ቅዱስ ሲኖደስ ዝወፀ ደብዳበ ናብ ሃገረ-ስብከታት ሽረ እንዳስላሴ፡ ንኣክሱም፡ ንዓዲግራት፤ ንመቐለን ንላዕለዋይ ሓላዊ መንፈሳዊ ኮሌጅ ፍራሚናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ብፁእ ኣቡነ ዮሃንስ ከምዝኾነ ካብ ኣመራርሓ እታ ቤተክርስቲያን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልኽት።

እቲ ደብዳበ በቲ ዝተፈጠረ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረት ጉድኣት በፂሑ ምብጽሑን እታ ቤተክርስቲያን ድማ በዚ ሓዘን ከምዝስመዓ ገሊፁ።

ቐፂሉ እቲ ደብዳበ "ብፖለቲካዊ ውዲት" ኢሉ ዝገለፆ ታቤተክርስትያን ኣብ ግዚኡ "ሓዘና ብዘይምግላፃን እቲ ፍፃመ ብዘይምኹናናን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ናይታ ቤተክርስቲያን መራሕቲ ዝፈጠርሎም ቅርታ ግቡእ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተፈጠረ ስምምዕነት ሰላም ከምዘሕጎሶ ዝገለፀ ቅዱስ ሲኖዶስ ብኽንያት ኩናት ተቋሪፁ ዝነበረ ርክብ ክቕፅል ፀዊዑ።

ነቲ ፃውዒት ካብቶም ሊቃነ ጳጳሳት ብዕሊ ዝተውሃበ መልሲ ምህላዊ ዛጊድ ኣይተፈለጠን:: ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳት ምላሽ ንምርካብ ብስልክን ብኣካልን ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

XS
SM
MD
LG