ዋሽንግተን —
ዶ/ር ተስፋይ ኣርዓዶም ኣብ ቦስተን ኣብ ዝርከብ ሮክስበሪ ኮሚኒቲ ኮለጅ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና`ዩ።
እዚ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝትግበር ዘሎ ኣብ ገዛ ምዕጻው፡ብፍላይ ኣብዚ ማሕበረሰብና ክርኣይ ዝኽእል ማሕበራዊ ኾነ ስነ-ልቦናዊ ጸቕጢ፥ ዝተፈላለየ ኣሉታዊ ስምዒታት ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልጽ።
እንተኾነ ነቲ ዘይንቡር ዝመስል ከም ንቡር ወሲድካ ኣብቲ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ጥራይ ኣተኩርካ ምኻድ ሓደ ስነ-ልቦናዊ ፍታሕ ምዃኑ ይመክር።
" ተወሺብካ ማለት ካብ ሕብረተሰብ ተነጺልካ ማለት ኣይኮነን"። ምስ ኣዕርኹትን ቤተሰብን ብምድውዋልን ብዝተፈላለየ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ተጠቒምካ ምውሳእን ሓደ ክግበር ዝኽእል ማሕበራዊ መራኸቢ ምዃኑ`ውን ይጠቕስ።
ከምኡ`ውን ኣብ ስድራቤታት ክርኣይ ዝኽእል ሓደስቲ ተርእዮታትን ኣተኣላልዮኦምን ዝምልከት ኣዘራሪብናዮ`ለና፥ ቐዳማይ ክፋል ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።