ዋሽንግተን —
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ዝነብሩ ነፃ ሕክምናን ናይ መግቢ፣ኣባይትን ሓገዝ ዝረኽቡ ቀዋሚ መንበሪ ወይ ዜግነት ከይረኽቡ ዝኽልክል ሓዱሽ ፖሊሲ ኣውፂኦም ኣለው።
ተሓለቕቲ ነቲ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ዝወጸ ሓድሽ ፖሊሲ ንድኻታትን ወፃእተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዒላማ ዝገብር እዩ ክብሉ ይቃወሙዎ ኣለው።
ነዚ ብዝምልከት ምስ በዓል ሞያ ሕጊ ዝተካየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።