ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ስነ ጥበባዊ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)


ኣብ ስነ-ጥበብ ልዑል ተፈላጥነት ዘለዎ ገዲም ድምጻዊ ተኽለ ክፍለማርያም(ወዲ ትኹል) ካብ ዝፍጠር ርእሰይ ኢሉ ከምዘይፈልጥ ፈለጥቱ ይምስክርሉ። ኣብ ምሕጋዝን ተወፋይነትን ቅድሚት ከምዝስራዕ`ውን ብሓደ ቃል ይዛረቡ። ሎሚ ግን ብኸቢድ ሕማም ተታሒዙ ሓገዝ ብጾቱን ፈተውቱን ዝጽበየሉ ግዜ ኣትዩ ይርከብ።

ወዲ ትኹል ኢመርጀንሲ ኣትዩ፡ ናብ ቅልጡፍ መርመራ ኮለን ካንሰር ኮይኑ ካብ ገዚፍ መዓንጣ ቆሪጾም ከምዘውጽእሉን ጥዕንኡ ከም ዝተመሓየሸን ይገልጽ። ድሕሪኡ ግን ኣብቲ ዝነበረ ናይ ሕክምና ምምልላስ ካብ ዓዲ ዘምጽኦ ናይ ዶክተር ነጋሲ ወረቐት ምስ ኣርኣዮም ናብ ዝለዓለ ሕክምና ከምዘሕለፍዎን ጸላም ከብዲ`ውን ተተንኪፋ ከምዘላ ከም ዝነገርዎን ይገልጽ።

ብሞራልን ወዲ-ትኹል ንምድሓንን ኣብ ዝግበር ዘሎ ምርብራብ ካብ መንጎ ዝመርሑ ዘለዉ መጋድልቱን ናይ ስነ-ጥበብ መሳርሕቱን ሓደ፡ ፍጹም ወልደማርያም(ወዲ ዛግር)ኣዘራሪብናዮ ኣለና።

ወዲ ትኹል፡ ኣብ መወዳእታ፡ "ኣነ ነዚ ህዝቢ`ዚ እኹል ዘዕግብ ስራሕ ኣይሰራሕኩን" ብምባል ካልእ ሕልሚ ከምዘለዎ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ-መጠይቕ ምስ ስነ ጥበባዊ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:21 0:00

XS
SM
MD
LG