ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም


ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቤይጂንግ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ርክብ ፕረ. ሺ ጂንፒንግ ኢትዮጵያ አገዳሲት አካል'ቲ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ቻይና ዘሎ ክልቲኣዊ ዝምድና ምዃናን እቲ ዝምድና ናብ ኣጠቓላሊ ምትሕብባርን አጋርነት ክብ ምባሉ ገሊጾም።

ንሶም ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ኣህጉራት ንምርኻብ ዝካየድ ዘሎ ተበግሶ ናይ ቀለቤት መንገዲ ንዘለዋ ተሳትፎ ንዒዶም።

ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድ ብወገኖም ቻይና ኣብቲ ኢትዮጵያ ተኻይዶ ዘላ ህንጸት ሃገር፥ ቁጠባዊ ምዕባለ እምንቲ መሓዛ ብምዃና ኣመስጊኖም።

ብተወሳኺ ዋዕላ ቻይና ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ቻይናን ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ንሓባራዊ ምዕባለን ምትሕብባርን ዓወትን ዘመላኽት ከምዝኸውን ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG