ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ፡ ሎሚ ዓርቢ ብቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ መንግስቶም ነቲ ሰፊሕ ተቓውሞ ዘኸተለ ሕጊ ሕርሻ ክስርዞ ምዃኑ ኣመልኪቶም። መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ ብዙሓት ዘይተጸበዩዎን ነቲ መንግስቲ ክወስዶ ዝጸንሐ ተሪር መርገጺ ዝዓጽፍን ምዃኑ ተንተንቲ የመልክቱ። እዚ መግለጺ ዝተዋህበ፡ እታ ሃገር ዞባዊ ምርጫታት ክትገብር ትቀራረበሉ ኣብ ዘላ እዋን’ዩ።
ሞዲ ኣብ መግለጺኦም፡ ንሰለስተ ኣዝየን ኣከራኸርቲ ሕግታት ክስርዙ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፡ እቶም ነዊሕ እዋን ተቓውሞ ከርእዩ ዝጸንሑ ሓረስቶት ድማ ንገዝኦም ክኸዱ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ። ከም መግለጺ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ሕጊ ንምስራዝ ዝደፍኦም ብዛዕባ ብልጫታት እቲ ሕጊ ነቶም ሓረስቶት ብግቡእ ከምእኑ ስለ ዘይከኣሉ’ዩ።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓረስቶት ህንዲ ነቲ ሕጊ ንምቅዋም ንዓመት ምሉእ ንሓደ ካብ ደልሂ ዘእቱ ጽርግያ ዓጽዮም ተቓውሞኦም ከርእዩ’ዮም ጸኒሖም። እቶም ሰልፈኛታት፡ እቲ ሕጊ ንሓረስቶት ሃስዩ ንኮርፖረሽናት ዘርብሕ ምዃኑ’ዮም ዝምጕቱን ክሳብ ዝስረዝ ከም ዘይለቁ ክሕብሩ ጸኒሖምን።
ሞዲ፡ ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ብምኽንያት ጉሩ ፑራብ ዝብሃል ፈስቲቫል ሲኽ’ዩ። ሓያሎ ካብቶም ተቓውሞ ዘርእዩ ዘለዉ ሓረስቶት ድማ ሰዓብቲ ስኽ ምዃኖም ይንገር።