ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ፈለማ ናይ ወጻኢ ሃገር ዑደቶም ኣብ ሃገረ ጅቡቲ ጀሚሮም


ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ኣሕመድ ኣብ ጅቡቲ ዝገበርዎ ፈላማይ ናይ ወጻኢ ሃገር ዑደት ዕላምኡ ንናይ ክልቲኣን ናይ ምትሕብባር መዳይ ብምሕያል ንምቅጻል ዘሎ ተወፋይነት ንምርኣይ’ዩ ክብል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ወደብ ጅቡቲ ንኽትሳተፍ፡ ጅቡቲ’ውን ኣብ ዝተመርጹ ትካላት ኢትዮጵያ ግደ ንኽህልዋ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ’ዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ወሲኹ ሓቢሩ።

ናይ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ፈላማይ ናይ ወጻኢ ሃገር ዑደት ኣብ ጅቡቲ ኣብዚ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን’ዩ ተኻይዱ።

እዚ ኸአ ምስ ጅቡቲ ዘሎ ርክብ ፍሉይ ብምኳኑ’ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት አቶ መለስ አለም ገሊጾም። ንክልቲኣን ሃገራት ዘተአሳስሩ ሓያለ ማሕበራዊ፡ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት አለው ኢሎም።

ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ቁጠባ’ውን ክብ ዝበለ’ዩ አቶ መለስ ኢትዮጵያ ንወደብ ጅቡቲ ምጥቃማ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተጀመረ መጉዓዝያ ባቡር መርኣያ’ዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG