ዋሽንግተን —
ኣብቲ እንግሊዝ ዝተሰዓረትሉ ጸወታ፡ ሰለስተ ጸለምቲ ተጻወቲ ፍጹም ቅላዕ ስለዝሰሓቱ ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍጸም ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ፡ ቀዳማይ ሚንስተር `ታ ሃገር ቦሪስ ጆንሰን ኮኒንዎ`ሎ።
ጋንታ እንግሊዝ፡ ምስ ጋንታ ኢጣልያ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምውጽአን፡ ኣብ ዝተገብረ ናይ መፍለዪ ፍጹም ቅላዕ፡ ሰለስተ ጸለምቲ ተጻወቲ ማለት ማርከስ ራሽፎርድ። ጀይደን ሳንኮ፡ ቡካያ ሳካ ብምስሓቶም፡ ብእኡ ንብእኡ ዓሌታዊ ርእይቶታት ክመጾም ምጅማሩ`ዩ ዝግለጽ።
"እዞም ተጻወቲ ከም ጀጋኑ`ምበር ብኻልእ ዓሌታዊ ርእይቶ ክግለጹ ኣይግባእን" ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ እቶም ከምኡ ትገብሩ ዘለኹም ክትሓፍሩ ይግባእ ኢሉ።
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ`ውን ነቲ ጸርፊ ኮኒንዎ`ሎ- ፖሊስ ድማ ከጻርዮ`የ ይብል ኣሎ።