ዋሽንግተን —
ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ካብ ገማግም ሊብያ ዘድሓኖም ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝርከብዎም 500 ስደተኛታት ትማሊ ሶሉስ ሲሲሊ ምእታዎም ተገሊጹ።
ነዞም ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ካብ ጸጋማዊ ፓርቲ ዝኾነ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነኑ መራኽብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይዓርፉ ድሕሪ ምክልኻሉ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ዝዓረፈት መርከብ’ያ።
ኣብቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝተሳተፉ አባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ 12 ሬሳታት ኣብ እዋን’ቲ ስርሒት ከምዝረአዩ እንተኾነ ድሕሪ’ቲ ስርሒት ነቲ ሬሳታት ክእኽብዎ ከምዘይኸአሉ ይግልጹ።
ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ሓድሽ ፖሊስ ኢምግሬሽን ንመሻርኽቲ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ከምዘቕርቡ ሓቢሮም ኣለው።