ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንምውጻእ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቶም መግለጺ ሂቦም።
ኣብ መጨረሽታ ወርሒ ነሓሰ ኣሜሪካ ብምሉኡ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ክትስሕብ ምዃና ኣብ ዝሓበሩሉ፡ ሰራዊት ጣሊባን ብወገኑ ዓወታት የመዝግብ ከም ዘሎ ይሕበር ኣሎ።
ኣሜሪካ ነቲ 20 ዓመታት ዝወሰደ ወተሃደራዊ መዓስከር ወዲኣ ሰራዊታ ክትስሐበሉ ዝወሰነት ምኽንያት ፕረዚደንት ጆ ባይደን መብርሂ ሂቦም። ብኣገላልጻ እቶም ፕረዚደንት፡ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ወፍሪ ቢልዮናት ዶላራት ከተጥፍእ እንከላ 2,448 ወተሃደራት ተቐቲሎም፡ ካልኦት 20,722 ድማ ኣብቲ ወፍሪ ከም ዘቖሰሉ ገሊጾም። እዚ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝወረደ ከቢድ ስነ-ኣእሙራዊ ሃስያ ክኸውን እንከሎ፡ “ዓወት ኣብ ዘይርከቦ ኲናት ንዝመጽእ ወለዶ ኣሜሪካ ኣይክሰድድን’የ” ክብሉ ፕረዚደንት ባይደን ገሊጾም።