ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብሞያ ኣብ ሶማል ዝቕጽል ዘሎ ቀውሲ’ታ ሃገር ናብ ምርግጋእ ከይትምዕብል ዕንቕፋት ኮይናዋ’ሎ ይብሉ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሶማል ዝረአ ዘሎ ባህርያዊን ሰብ ሰርሖ ሓደጋታት፡ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ነታ ሃገር ንምርግጋእ ኣብ ዝካየድ ጻዕርታት ዕንቕፋት ይኸውን ከምዘሎ ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቕቑ።

ብነጻ ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ዝተዳለወ ሪፖርት ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቐሪቡ’ሎ።ሓደ ካብዞም ሰብ ሞያ ታንዛንያዊ ባሃመ ንያንዱጋ ብርግጽ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ሶማል ብዙሕ ለውጢ ተአታትዩ’ዩ ዝበዝሓ ድማ ኣወንታዊ ለውጢ ምዃኑ ይገልጹ። ኣብ መዳያት ጸጥታ፡ፖለቲካ፡ማሕበረ ቁጠባዉን ሰብኣዊ መሰላት ኩነታት’ታ ሃገር እውን ዝተወሰነ ለውጢ ምርኣዩ ይሕብሩ።

ንሶም ይኹን ደአ እምበር ዘይምዕዳል ኮይኑ ምስ ዕጡቓት ኣል ሸባብ ዘሎ ግጭት፡ጸቕጢ ኣብ ናይ ምዝራብ ናጽነት ዝኣመሰሉ መሰላት፡ ገበን ንዝፈጸሙ ብሓላፍነት ክተሓዙ ዘይምኽኣል ግን ሕጂ’ውን ኣብታ ሃገር ይቕጽል ምህላው ይገልጹ።

“ ሶማል ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት’ታ ሃገር ብዘሎ ግጭት፡ ካብ ብመጥቓዕቲታት ነታጊ ኣልሸባብ ዝጠፍእ ህይወት ብፍላይ ከምኡ’ውን ብስእነት ልዕልና ሕጊ ብልዑል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክትሳቐ ጸኒሓ’ያ። ካልኦት ከም ጾታ መሰረት ዝገበረ ጎነጽ፡ ጾታዊ ዓመጽን፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝበጽሕ ጎነጽ ጭውያን ግዱድ ዕስክርና ኣብ ልሸባብ ሓዊስኻ ማለት እዩ ካልእ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ዝረአ’ዩ ግህሰት መሰላት’ዮም።”

ንያንዱጋ ብተወሳኺ ብዘይ’ቲ ሰብ ስርሖ ሓደጋታት ፡ ኣብታ ሃገር ብዝረአ ዘሎ ባህርያዊን ክሊማ’ውን ሓደጋታት ኣስታት 2.6 ሚልዮን ዜጋታት’ታ ሃገር ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

“ ሓደ ካብ መሰረታዊያን ሰብኣዊ መሰላት ምህላው ኣገልግሎት ዝስተ ማይ’ዩ። ኣብታ ሃገር ንዘሎ ሕጽረት ማይ መፍትሒ ምርካብ ድማ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዕርቒን ሰላምን ኣብ ምስፋን’ውን ዓብይ ኣበርኽቶ ኣለዎ ምክንያቱ ሓደ ካብ ጠንቂ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዘሎ ግጭት ስእነት ማይ ምኳኑ ይፍለጥ።”

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ታንዛንያዊ ናንዱጋ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንሶማል ዝበርኽቶ ሓገዝ ክቕጽል ይጽውዑ። ንሶም ብተወሳኺ መንግስቲ ትካላቱ ከሓይል ምሕጋዝ እታ ሃገር ሰላም፡ምርግጋእን ጸጥታን ኣብ ምጉንጻፍ ዘለዋ ተኽእሎ ዘዕብይ’ዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG