ዋሽንግተን —
ሰበስልጣን ስቪል ኣቪየሽን ቻይና 132 ሰባት ዝፀዓነት ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ነፋሪት ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣት ጓንሺ ምውዳቓ ገሊፆም።
ብዓል ስልጣን ኣቪየሽን ቻይና ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሎሚ ሶኑይ ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ካንሚንግ ናብ ማእኸል ኢንዱስቱሪ ዝኾነት ጓንጀው ትጉዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት ምዃኑ ሓቢሩ።በቲ ሓደጋ ክንደይ ሰብ ከምዝሞተን ከምዝቖሰለን ግን ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።