ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ብምኹናን፡ ንግዳያት ጸልዮም


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሮማ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሊቢያ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ዝጠፍአ ህይወት ምፅዋር ዘየድልዮ ህውከት እዩ ክብሉ ብምፅዋዕ ንዝተቐትሉ ፀልዮም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ናብ ደሴት ላምፐዱሳ ዝበፅሕሉ ቀዳማይ ዓመት ክኽበር ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተረፈሉ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስስ ትማሊ ሰንበት ኣመንቲ ናብ ኣደባባይ ቅዱስ ፒተር ክወፁን ነዞም ብደብዳብ ዝተቐትሉ ዘይትዓጥቑ ድኻታት ሰባት ክፅልዩን ዓዲሞም።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትሪፖሊ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ሽዱሽተ ህጻናት ሓዊሱ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት 130 ሰባት ከምዝቖሰሉን ገሊፁ’ሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንኣመንቲ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ቡራኬ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ከቢድ ተግባር ክፃወሮ ኣይኽእልን ኢሎም ድሕሪ ምባል ሓገዝ ንዝደልዩ ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ዘለዎም ተስፍ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG