ንኣስታት 27 ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑ ራብዓይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆርዮስ ሎሚ ረቡዕ ኣዲስ አበባ ኣትዮም።
ምእመናንን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ናብ ጎደናታት ብበዝሒ ብምውጻእ ነቶም ፓትሪያርክ ተቐቢሎምዎም ኣለው።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምቕባል ርእይቶኣ ዝሃበት ወ/ሮ ኣለም ባይሳ ‘እቶም ፓትርያርክ ናብ ሃገሮምን ቤቶምን ካብ ምምላስ ዝበለጸ ምንጪ ታሕጓስ የለን’ ኢላ’ላ።
ኣብ’ቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ፓትሪያርክ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፣ ብጹኣን ኣቦታት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም።
ራብዓይ ፓትሪያርክ ኣቡነ መንቆርዮስ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ ምስ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ’ዩ። እቶም ፓትሪያርክ ንዓዶም ዝተመለሱ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብዘቕረብሎም ዕድመ ምዃኑ’ውን ይፍለጥ።
ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ብክልተ ሲኖዶስ ትመሓደር ዝነበረት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ኣብ ሓደ ድሕሪ ምሕባራ ብጹዕ ኣቡነ መርቀርዮስ ሎሚ ረቡዕ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር አቶ ፍጹም አረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።