ዋሽንግተን —
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ዕላማታት ትሕተ-ቅርጺ ኣመሪካ መጥቓዕቲ ከተካይድ ትኽእልያ ዝብል ስክፍታ ከም ዘሎ ዳይሬክተር ፈደራል ቤት ዕዮ መርመራ ገበናት ኣመሪካ(FBI) ክርስቶፈር ረይ ኣፍሊጦም።
ረይ ነዚ ዝበሉ ኣብ ዲትሮይት ክላብ ኢኮኖሚ ኣብ ዝተረኸብሉ ክኸውን ከሎ ነቲ ፕረዚደንት ባይደን ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ዝሃብዎ መጠንቀቅታ ኣቃሊሖም'ለዉ።
"ሎሚ ብርግጽ ምስቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብቲ ብናይ ሩስያ ኣገልግሎት ሰለያን ገበነኛታትን ሳይበርን ጉጅለታትን ዝድገፍን ዝሕሎን ፈጢርዎ ዘሎ ኣዕናዊ ስግኣት ኢና ብፍላይ ኣትኩርና ዘለና: ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ መሓዙትና ዩክሬናውያንን ካልኦትን ከምኡ'ዉን ኣብዚ ዝርከቡ ውልቀ ትካላትን መሻርኽትን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ሳይበር ኣለውና" ኢሎም።