ኣዲስ ኣበባ —
ንውዕል ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ፡ ኣብ ክልል ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምጥያስ ትሽዓተ ዝኣባላታ ኮሚተ ቆይማ ኣላ። እዛ ብሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ እትምራሕ ኮሚተን ካልእ ከይዲ መሰጋገሪ መንግስቲ ክልል ትግራይን ንምግምጋም ክልተ ሞያውያን ሕጊ ኣዘራሪብና ኣለና።