ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ምዕባለ ጉዳይ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ፣ ብቀረባ ይከታተልዎ ከምዘለው’ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓቢሮም


‘ምዕባለ ጉዳይ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ፣ ብቀረባ ይከታተልዎ ከምዘለው’ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን ዛጊት ኣብ ዘካየደኦ ልዝብ ዝተመዝገበ ስዳሮ ከምዝፈልጡ ዘዘኻኸሩ እቶም ዋና ጸሓፊ፣ እቶም ዘይተፈትሑ ኣፈላላያት ብሰላማዊ ኣገባብ ንከደቅሳን ንሓባራዊ ረብሓ ክተግሃን አተባቢዖም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ ዝተኸተመ ስምምዕ መትከላት ብምጉላሕ፣ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ፣ ሓባራዊ ረብሓ፣ ሰናይ ድልየት፣ ኩሉ ተረባሒ ዝገብርን ንዓለምለኸ ሕግታት ዝተመርኮሰን ከምዝኾነ ኣትሪሮም ገሊጾም።

ብመሰረት’ዞም መትከላት’ዚኦም፣ ናብ ምቹእ ስምምዕነት ንክብጻሕ እውን ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ አንቶንዮ ጉተረዝ ኣተባቢዖም።

Recommended

XS
SM
MD
LG