ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕልቕላቕ ውሕጅ ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢታት ፓኪስታን ማይ ወለድ ለበዳ ይረኣ ምህላው ሰበ ስልጣን ገሊጾም

ሰበስልጣን ጥዕና ፓኪስታን ኣብ ቀረባ ክብረወሰን ዝሰበረ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ማይወለድ ለበዳ ከምዝተልዓለ ኣፍሊጦም።ሰበስልጣን በቲ ሓደጋ ኣባይቶም ንዝሰኣኑ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ፅሩይ ዝስተ ማይ ናይ ምቕራብ ፃዕርታቶም ኣሐይሎም ኣለው።

መንግስቲ ኣብ ዘጣየሶም መዕቆቢ ካምፕታት ውጽኣት:ናይ ቆርበትን ናይ ዓይኒን ሕማማትን ኣብ ምስፍሕፋህ ይርከብ።ብመሰረት ሰበስልጣን ጥዕና ዘውፅእዎ መግለፂ ብከቢድ ኣብ ዝተጠቕዐ ምምሕዳር ሲንድ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ልዕሊ 90,000 ውጽኣት ዝሓመሙ ተመዝጊቦም ኣለው ።

ካብ ሰነ ኣትሒዙ ብዝረኣ ከቢድ ዝናብን ብዘጋጠመ ውሕጅን 1,191 ሰባት ሞይቶም 33-ሚሊዮን ሰባት ድማ በቲ ሓደጋ ዝተጸለው ተመዝጊቦም። ብተወሳኺ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ኣባይቲ ከምዝዓነው ተፈሊጡ ኣሎ።

ቱርኪ፣ቻይና፣ቐጠርን ስዑዲ ዓረብን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ንግዳያት ንምሕጋዝ ረድኤት መግቢ ዝጸዓና ነፈርቲ ልኢኸን ኣለዋ።ብመሰረት መባእታዊ ግምት መንግስቲ በቲ ሓደጋ ናይ ዓሰርተ ቢሊዮን ጉድኣት በጺሑ'ሎ።

XS
SM
MD
LG