ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምሁራን ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ንምዕዋት ተርኦም ከበርክቱ ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ፀዊዐን


ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ዝሓዝሉ ቀዳማይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሸራተን ሆቴል መድረኽ ዘተ ጀሚሩ ሎ።ኣብቲ መድረኽ ፅሑፍ ዘቕረቡ እዚ መድረኽ ንርእሱ ኣብዝሓለፈ ዓመት ዝክኣል ኣይነበረን ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ ምምራሕ ካብዝጅምሩ ሓደ ዓመት ኣብ ዘቑጽረሉ ሕጂ እዋን:ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ሸራተን ኣዲስ ሎሚ ዓርቢ ንዝጀመሮ ናይ ፓናል ምይይጥ ብመደረ ዝኸፈታ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብፍላይ ንምሁራን ኣበርኽቶ ክገብሩ ፀዊዐም።እታ ሃገር እትጉዓዘሉ መንገዲ ክሕብሩን ልዕልነት ሓሳብ ክረጋግገጽ ክሰርሑ ኣለዎም ድሕሪ ምባል ናይ ሓይሊ ዘመን ንከብቅዕ ኣለዎ ኢለን።

“ሳልሳይ ናይ ምዝርራብ ባህሊ ምልምማድ።ብምክርኻር፣ብምምይያጥ፣ብምዝታይን፣መርትዖን መረዳእታን ብምቕራብ ንነገራት ብምኽንያትን ብምትንታን፣ዝእመንን ዘኣምንን ማሕበረሰብ ክንፈጥር ኣለና።ካብ ናይ ኣደባባይ ናዕቢ ናይ ሓሳብ መድረኽ ዝመርፅ፣ካብ ሓሜት ግልፅነት፣ካብ ሸርሒ ፊት ንፊት ምግጣም ዝመርፅ ማሕበረሰብ ከነዕንብብ ይግባእ።”

ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ብምቕፃል ነቐፌታ ናይ ምቕራብ ጥበብ ክልመድን መንግስቲ ይኹን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ከምኡ እውን ልሂቃን፣ማሕበረሰባትን ትካላትን ንዝፍፅሙዎም ጌጋታት ከርኢ ዝኽእል ባህሊ ክለማመዱ ክንገብር ኣለና ኢለን።

ኣብቲ መድረኽ ፅሑፍ ዘቕረቡ ተመራማሪን መምህርን ፖለቲካዊ ሳይንስ ዶ/ር ሰሚር ዮሱፍ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝነበረ ውልቀመላኺ መንግስቲ ውርሽኡ ንርእሱ ሽግር ይፈጥር ኣሎ ኢሎም።

“ሃገራት ናይ ዝሓለፈ ታሪኸን ኣጥፊአን ኣይኮነን ዝሰጋገራ።እቲ ዝነበረ ታሪኸን ንዝተወሰነ እዋን ሓቢሩወን ይጉዓዝ እዩ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሪኦም ዘለና ናይ ብሄር ግጭታት፣ናይ ፓርትን መንግስትን ምትሕውዋስን ካልኦት ዝተፈላለዩ ብድሆታትን ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ዝነበሩ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዘሕለፍናዮ ናይ ውልቀመላኺ ስርዓት ፅላሎቱ እዮም።”

ን27 ዓመታት ዝፀንሐ ውልቀመላኺ መንግስቲ ብተግባር ዘየለ ዴሞክራሲ ዝስበኽ፣መሰል ብሄርን ብሄረሰብን ብሰፊሑ ዝዛረብ ብተግባር ግን ኣዚዩ ምእኹል ዝኾነ፣ብዘረባ ዕብየት፣ለውጥን ልምዓትን ዝሰብኽ ብተግባር ግን ናይ ሃፍቲ ክፍፍል ዝለዓለ ኣፈላላይ ዘስዓበ ነንባዕሎም ብዝራፀሙ ነገራት ዝተመልአ ስራዓት ብምንባሩ ብቅሬታት ዝተመልአ ነይሩ ኢሎም ዶ/ር ሰሚር።እዚ እዩ ድማ ናብ ለውጢ ዘምርሐ ኢሎም።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መድረኽ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ፍሉጣት ምሁራን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተሳተፍሉ ከምዝነበሩ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ፀብፂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG