ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆ ባይደን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ግዝኣታት ፍሎሪዳ ኤለኖይን ኣሪዞናን ኣብ ዝተኻየደ ናይ መጻረዪ ምርጫ ፥ደሞክራቲክ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ንምዃን ኣብ ልዕሊ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ርኡይ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ኣብታ ንሪፓብሊካን ፕረዚደንት ትራምፕ ካልኣይቲ ዓዱ ኮይና ዘላ ፍሎሪዳ፥ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ሳንደርስ ብ62% ን 23% ተዓዊቱ`ሎ።ኣብ ኤለኖይ`ውን ተመሳሳሊ`ዩ: ኣብ ኣሪዞና እውን ምስዚ ዝቐራረብ ውጽኢት ረኺቡ’ሎ።
ምስ`ዚ ናይ ትማሊ ሰሉስ ዓወት ንሳልሳይ ግዚኡ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዘሎ ባይደን ዛጊድ ናይ መጻርዪ ምርጫ ካብ ዝተኻየደለን 24 ክፍለ ግዝኣታት፥ ኣብተን 19 ስዒሩ`ሎ።
ደሞክራቲክ ሶሻሊስት`ዩ ዝብሃል ሳንደርስ ማሕበራዊ ኤኮኖሚያዊ ለውጢ ከሰጉም`የ ክብል ከሎ፥ ምኽትል ፕረዚደንት ኦባማ ዝነበረ ባይደን ድማ ብዛዕባ ምዕቃብ ርግኣትን ናብ ዋይት ሃውስ ዝግባእ ክብሪ ምምላስን ከም ናይ ሳንደርስ ሱር-ነቀል ለውጢ ዘይኮነስ ኣብ ጭቡጥ ዝተመርኮሰ ፍታሕ ምምጻእ`ዩ ዘገድሰኒ ይብል።
ትማሊ ሰሉስ ካብ ክፍለ ግዝኣቱ ኮይኑ ዝተዛረበ ባይደን፥ ኣነን ሳንደርስን ኣብ ታክቲካዊ ኣቀራርባና` እኳ እንተዘይተሰማማዕና፥ ኣብ ዘዋጽእ ክንክን ጥዕና፥ ምጉዳል ዘይምዑሩይ ኣታዊ፥ ከምኡ `ውን ኣብ ምውጋእ ክሊማዊ ለውጢ ንሰማማዕ ኢና ኢሉ።
ጆ ባይደን ኣስዒቡ ነቶም ብሳንደርስ ዝተመሰጥኩም ብፍላይ ነቶም ናእሽቱ፥ ክብለኩም ዝደሊ፥ ኣነ`ውን ይሰምዓኩም ኣለኹ`የ ፥ ቀዳምነታትኩም ፈሊጠዮ ኣለኹ፥ ክንገብሮ ዝግብኣና ይፈልጦ`የ ኢልዎም።
ባይደን ትማሊ ዝረኸቦ ዓወታት ንትራምፕ ንምግጣም ናብቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝግበር ደሞክራቲክ ዋዕላ ሓሊፉ ንደሞክራት ዝወከለ ሕጹይ ንክኸውን ናይ መሪሕነት ዕድል ዝሃቦ ይመስል።
ኣብ 2016 ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ደሞክራቲክ ሂላሪ ክሊንተን ብጸቢብ ዝሰዓረላ ግዝኣት ፍሎሪዳ፡ ኣብዚ ዓመትዚ`ውን ከቢድ ግጥም ዝካየደላ ከምትኸውን`ዩ ትጽቢት ይግበር።
ቅድሚ ናይ ትማሊ፥ 898 ወከልቲ ረኺቡ ዝነበረ ባይደን ትማሊ 300 ተወሰኽቲ ረኺቡ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ደሞክራቲክ ሕጹይ ኮይኑ ኣንጻር ትራምፕ ንክወዳደር ብውሕዱ 1,991 ወከልቲ ግዝኣታት የድልይዎ።
ራብዓይቲ ኣገዳሲት ትብሃል ግዝኣት ኦሃዮ`ውን ንትማሊ ሰሉስ`ያ መጻረዪ ምርጫ ክተካይድ መዲባ ኔራ። እንተኾነ ሪፓብሊካን ገዛኢኣ ማይክ ደዋይን ብምኽንያት ስግኣት ተመሓላላፊ ሕማም ኮሮናቫይረስ ንወርሒ ሰነ ኣመሓላሊፍዎ`ሎ።
ካልኦት ብኮሮናቫይረስ ምኽንያት ኣናዊሐንኦ ዘለዋ ግዝኣታት መሪላንድ: ጆርጅያ: ሊዊዚያናን ከንታኪን ይጥቀሳ። ግዝኣታት ብሕጽረት መከላኸሊ`ቲ ቫይረስን ጻዕቂ ሰብ ከይህሉን ኣብ ዘይንቡር ኩነታት ምርጫ ከካይዳ ሻቕሎተን እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ።
ገለ ኣድመጽቲ ኣብ ኦሃዮ፥ ነቲ ናይ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ከይሰምዑ ዝመጹ`ውን ኔሮም።
ኣብ ፍሎሪዳ ግን ዳርጋ 1.1 ሚልየን ዝኾኑ ኣቐዲሞም ብደብዳቤ`ዮም ድምጾም ልኢኾም።