ኣዲስ ኣበባ —
ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ መርሒታት ቫይረስኮሮና ገለ ምምሕያሻት ምግባሩ ኣፍሊጡ።
ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት እቲ ሕብረተሰብ ብኮቪድ19 ናይ ምጣዝ ዕድሉ ትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ምዃኑ ብምሕባር ዝተወስኑ ምምሕያሻት ከምዝገተበረ ገሊፀን።
ካብ ገዛ ወፃኢ እኹል ምዝውዋር ኣየር ኣብ ዘለዎ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ (ማስክ) ናይ ምግባር ግዴታ ከምዘይህልው: ክታበት ኮቪድ19 ምውሳዶም ዝሕብር ሰነድ ዝሓዙ ሰባት ናይ ምምርማር ግዴታ እውን የብሎምን ይብል።