ዋሽንግተን —
ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝኸፈተቶ ኵናት ንዕዳጋታት ኣብ ስግኣት ዘውደቐ፣ዋጋ ነዳዲን ኣቑሕትን ሰማይ ክዓርግ ዝገበረን ፍፃመ ስዒቡ ሚንስትር ፀዓት ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ሱሃል ቢን መሃመድ ኣልሞርዛዊ ምስ ሩሲያ ናይ ነዳዲ ምሕዝነቶም ምሕያሎም ገሊፆም።
እቶም ሚንስትር ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፀዓት ኮንፈረንስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሩሲያ ኣገዳሲት ኣባል ሃገራት ጥምረት ለኣኽቲ ነዳዲ ኦፔክ(OPEC) እያ: ኣብ መዓልቲ 10 ሚሊዮን ነዳዲ እተቕርብን ሃገር እያ ኢሎም።
ንሶም ዓረብ ኢመራት ናይ ነዳዲ ምህርቲ ናይ ምውሳኽ በይናዊ ስጉምቲ ክትወስድ እያ ንዝብል ነፂጎምዎ ኣለው።ኣመሪካ፣ኣውሮጳ፣ጃፓንን ካልኦት ሃገራትን ኣፍረይቲ ነዳዲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ምንካይ ዝሕግዙ ተወሰኽቲ ስጉምትታት ክወስዳ ይፅውዓ ኣለዋ።