ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ.ጉ. ወፃኢ ኣሜሪካ ፕሮግራም ኒኩሌር ፒዮንግያንግ ከብቅዕ ንምዝታይ ኣብ ሰ.ኮሪያ ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም


ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ፕሮግራም ኒኩሌር ፒዮንግያንግ ከብቅዕ ንምዝታይ ኣብ ሰሜን ኮሪያ ዘካየድዎ ዑደት ሎሚ ዛዚሞም።እቲ ኣኼባ ዝተኻየደ መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ኒኩሌራዊ ፕሮግራም ምምዕባሎም ቀፂሎም ኣለው ዝብል ገምጋም ትካላት ስለያ ኣሜሪካ ኣብ ዝወፅእሉ እዋን እዩ።

ኪም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሲንጋፖር ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ወሽመጥ ኮሪያ ካብ ኒኩሌር ነፃ ንምግባር ንዝኣተውዎ ቃል ክከታቱሉ ፓምፖዮ ብፕሬዝዳንት ትራምፕ ሓላፍነት ተዋሂቡዎም ኣሎ።ፓምፒዮ ምስ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ገዛኢ ፓርትን ናይ ቀደም ሓላፊ ስለያን ኪም ዮንግ ቾል ሎሚ ዓርቢ ተራኺቦም ኣለው።

ኪም ዮንግ ቾል እቲ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሩ ንፓምፒዮ ከምዝገለፁሎም ’’ብዙሕ ብዝተራኸብና ቁፅሪ ተስፋ እገብር ምሕዝነትና እውን ብኡ መጠን እናዓሞቐ ክኸይድ እዩ’’ኢሎምዎም።

ፖምፒዮ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሰሜን ኮሪያ ዑደት ክፍፅሙ እዚ ንሳልሳይ ግዜ እዩ።

XS
SM
MD
LG