ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ ሰበ-ስልጣን ተራኺቡ፡ ዘትዩ


ትማሊ ሰሉስ 14 መጋቢት 2023 ኣማስያኡ ኣዲስ-ኣበባ ዝኣተወ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሎሚ ረቡዕ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን በብግዜኡ ተራኺቡ ዘትዩ።

ድሕሪ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘስፈሮ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ “ንዝምድና ክልተ ወገናት ዘሐይል ኣብ ብዙሓት ነጥብታት ዘቲትናን ርክብና ከነደልድል ተረዳዲእናን፡” ክብል ኣስፊሩ።

ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ ድሕሪ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንተስፉው ምዕባለ ከይዲ ሰላምን ኣገዳስነት ምንጋስ ተሓታትነትን ምዝርራቦም ኣመልኪቱ።

ድሕሪ ርክብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልተ ሃገራት ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ኣብ ዘስፈሮ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንገስጋስ ስምምዕ ሰላም ኣመልኪቶም ከም ዝተረዳድኡን ናብቲ ናይ ጎንጺ ቦታ ናጻ ተዓዛቢ ጉጅለ ንምልኣኽ ምስምማዖምን ኣስፊሩ። ከም ሓበሬታ ነድ ፕራይስ፡ ክልቲኦም ወገናት’ውን ፍትሓውነት ዘስፍን ፍትሒ ንምንጋስ ተረዳዲኦም ኣለዉ።

ኲናት ክልል ትግራይ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓያሎ ማዕቀብ ንኸነብር ዝደፍአ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዑደት ክዝረበሉ ትጽቢት ዝግበር ድማ ምምላስ ኢትዮጵያ ናብ ናጻ ቀረጽ ውዕል ኣጉዋ’ዩ። ኣብ ርክብ ላዕለዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣጓኒፉዋ ንዘሎ ቍጠባዊ ሽግራት ኣመልኪቶም’ውን ምዝታዮም ነድ ፕራይስ ኣመልኪቱ’ሎ።

ከም ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ብሊከን ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ መሪሕነት ክልል ትግራይን በርገሳውያን ማሕበራትን’ውን ክራኸብ’ዩ። እቲ ርክብ፡ ከይዲ ሰላም ንምግምጋም ዝዓለመ’ዩ ክኸውን።

ብሊከን፡ ሓሙስ ናብ ኒጀር ክቐንዕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድሚኡ ግን ምስ ኮሚሽነር ኣፍሪቃዊ ሕብረት’ውን ክራኸብ መደብ ወጺኡ ኣሎ። ዑደት ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ምምሕዳር ባይደን፡ ኣካል’ቲ ዋሺንግተን፡ ጽልዋ ቻይናን ሩስያን ናብ ኣፍሪቃ ንምግታእ እትገብሮ ዘላ ወፍሪ’ዩ።

XS
SM
MD
LG